ብመሰረት እቲ ካብ ክፍሊ ታዕሊም ዴምህት ዝበፀሓና ሓበሬታ ብግፍዕታት እቲ ስርዓት ተማሪሮም ምእንቲ ረብሓ
ህዝቦምን ሃገሮምን ንምቅላስ በቢእዋኑ ካብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ሃገርና ብዘይምቁራፅ ብርክት ዝበሉ መናእሰይ ናብ ዉድብ ዴምህት ይዉሕዙ ምህላዎም ናይ
ዝተወሰኑ ኣስማትን ሪኢቶን ብምትሕሓዝ ገሊፁ፣
ካብዞም ብርክት ዝበሉ መናእሰይ ገሊኦም ኣስማት ንምጥቃስ።-
2, ኣሸብር ብርሃነን ጉዕሽ ገብርየን ካብ ዞባ ማእኸል ወረዳ መረብለኸ ጣብያ ዓዲ ፍታው ቁሸት ሓድሽ ዓዲ
3, ማጁር ምሩፅ ካብ ዞባ ማእኸል ወረዳ መረብለኸ ጣብያ ዓዲ ገባት ቁሸት ዓዲ ገባት
4, ዮውሃንስ ተስፋይ ካብ ዞባ ምብራቕ ወረዳ ጉለመኸዳ ጣብያ ኣዲስ ኣለም ቁሸት ቀፅቀፅያ
5, ኣለም ብርሃን እንድርያስ፤ ማዕበል ወ/ገርግስ፤ ደስበለ ተኽላይን ተኽለወይኒ ገብረዋህድን ካብ ዞባ ማእኸል ወረዳ መረብለኸ ጣብያ ዓዲፍታው ቁሸት ዓዲ ሓንገለ፣
6, ፍስሃ ደስታኣለም ካብ ዞባ ማእኸል ወረዳ ኣሕፈሮም ጣብያ ሰምሃል ቁሸት ምእራይ ኩሕሊ
7, መሓሪ ገ/ክርስቶስ ካብ ዞባ ማእኸል ወረዳ ኣሕፈሮም ጣብያ ዕዳጋ ሮቡዕ
10, ገ/ክርስቶስ ሓድሽ ካብ ዞባ ማእኸል ወረዳ መረብለኸ ጣብያ ዓዲ ፍታው ቁሸት ዓዲ ቀብረድሂም
11, መሓሪ በርሀ ካብ ዞባ ምብራቕ ወረዳ ኢሮብ ጣብያ እንዳልጌዳ ቁሸት ማይጫዓ
12, ተስፎም መሓሪ ካብ ዞባ ሴ/ምዕራብ ወረዳ ላዕላይ ኣድያቦ ጣብያ ዓዲ ክልተ ቁሸት ዓዲ ክልተን ከም ዝርከብዎም ገሊፁ፣
ካብ’ዞም መናእሰይ ተኽለወይኒ ጉዕሽ ኣብ ዝሃቦ ሪኢቶ። ኣብ ከባብኦም ብዝርከቡ ኣማሓደርቲ ዝተፈላለዩ ተግባራት
ግዕዝይናን ከም ዝተዓዘበን፤ ጉዳይ ፍትሒ ብግበረለይ ክገብረልካ ከም ዝሳለጥን፤ እቲ ዝበዝሐ ገንዘብ ዘይብሉ ድኻ ሕብረተሰብ ብሓይሊ
ገንዘብ ተፀቒጡ ፍትሒ ስኢኑ ይነብር ከም ዘሎን ነዚ ተቓዊሙ ክቃለስ ከም ዝወሰነ ኣረዲኡ፣
መንእሰይ ኣሸብር ብርሃነ ብወገኑ ኣብ ልዕሊ ነባራት ተጋደልቲ ህወሓትን ደቂ ስውኣትን ዜጋታት ዝተፈላለዩ
ግፍዕታት ክፍፀም ከም ዝተዓዘበን። መሬት ስውኣት ተጋደልቲ ካብ ደቆም እናተመንጠለ ንካድረታትን ደገፍትን እቲ ስርዓትን ክዕደልን
ክልኦት በደላትን ክፍፀምን ስለ ዝተዓዘበ ነቲ ስርዓት ብምቅዋም ቃልሲ ከም ዝመረፀ ገሊፁ፣
ኣብ መወዳእታ
ኩሎም እቶም ናብ ክፍሊ ታዕሊም ዝተፀበሩ መናእሰይ ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ተፃዒኑ ዘሎ ፀረ ህዝቢ ስርዓት ብምቅዋም። በቲ ንሱ
ዝኣምነሉ ኣፈሙዝ ብረት ገጢምካ ንምእላይ ቃልሲ መሪፆም ናብ ዴምህት ከም ዝተፀምበሩ ካብ ክፍሊ ታዕሊም ዴ.ም.ህ.ት ዝበፀሐና ሓበሬታ
የመልክት፣