እቶም ካብ ኩለን ወረዳታት ትግራይ ዝሓሸ
ውፅኢት ስፖርት ዘለዎም ተውዳደርቲ ብትግራይ ደረጃ ንምፍላይ ኣብ ከተማ ውቕሮ ክካየድ ከም ዝቐነየ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ እንተኾነ ዝተሰዓራ ወረዳታት እቲ ውድድር ከይተወደአ ባጀት የብልና ብዝብል
ነቶም ስፖርተኛታት ኪዱ ንገዛኹም ስለ ዝተበሃሉ ኣብ ከቢድ ስምዒት ምእታዎም ገሊፁ።
ኣስዒቡ እቲ ንስፖርተኛታት መሰረት ዝገበረ ሓበሬታ ነቲ ክካየድ ዝቐነየ
ስፖርታዊ ውድድር ተጀሚሩ ክሳብ ዝውዳእ እኹል ባጀት ዝተመደበሉ
እኳ እንተኾነ ኣማሓደርቲ ናይቲ ስፖርት ግና ነቲ ብሽም
ስፖርተኛታት ዝወፀ ገንዘብ ኣብ ውልቃዊ ረብሓኦም ሰለ ዘውዓለዎ ብጀካ ኣሰልጠንቲ ዝተረፍኩም ዘይተዓወትኩም ናብ ቦታኹም ኪዱ
ምስ ተበሃሉ ብወገን እቶም መናእሰይ እቲ ውድድር እንከይተወደ ኣይንኸድን ተመኩሮ ክንቀስም ኢና ብምባል መደቐስን ምግብን ብናይ ዉልቆም ወፃኢ ሸፊኖም ዋላ’ኳ እንተቐንዩ ልዕሊ
ዓቕሞም ብምዃኑ መረርቶም ነቶም ሰበስልጣን ከም ዝገለፅሎም ተፈሊጡ።
ብተወሳኺ
እቶም ተወዳደርቲ ነቲ ኣብቲ እዋን ዘጋጥሞም ገንዘብ የለን ዝብል ፀገም ፍታሕ ክግበረሎም ናብ ዝምልከቶ ኣካል ክሳብ ክልል
ብምኻድ ጥርዓኖም ኣብ ዘቕረብሉ ሰማዒ ስለ ዘይረከቡ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ስፖርታዊ ውድድር በዓል ዋና የብሉን ብምባል ነቲ ግዕዙይ ምሕደራ ከም ዝኾነንዎ ክፍለጥ ተኻኢሉ።
ብተመሳሳሊ ኣብ ከተማ መቐለ ካብ 1999 ዓ.ም ጀሚሩ ንመስርሒ ዘመናዊ ስታድዮም እናተብሃለ ካብ
ህዝቢ ክዋፃእ ዝፀነሐ ገንዘብ ብሰበ ስልጣን ይጠፋፋእ ብምህላዉ ክስራሕ ዝግብኦ ክፋላት እቲ ስታድዮም ሕዚ’ዉን ገና ብምዃኑ ከም
ውፅእቱ ስፖርተኛታት መፃወቲ ሲኢኖም ካብ ብዙሕ ነገራት ይሰናኸሉ
ምህላዎም ካብ’ታ ከተማ ዝተረኸበ ሐበሬታ ኣረዲኡ።