Monday, March 10, 2014

ኣብ ወረዳ ወንበርማ ዝርከቡ ሰራሕተኛታት ኤክስቴንሽን ጥዕና ኣባላት ዉድብ ብኣዴን-ኢህወዴግ ንክኾኑ ዝቐረበሎም ሕቶ ከም ዝነፀግዎ ምንጭታትና ካብ’ታ ወረዳ ሓቢሮም።



ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ምዕራብ ጎጃም ወረዳ ወንበርማ ኣብ ዝርከባ 46 ኤክስቴንሽን ጥዕና ተመዲቦም ኣብ ምስራሕ ዘለዉ ብምሉኦም ሰብ ሞያ ጥዕና ኣባላት ዉድብ ብኣዴን-ኢህወዴግ ክኾኑ ኣብ ዝተሓተትሉ ግዜ መንነትና ድዩ ወይ ገንዘብና ኢኹም ትደልዩ ብምባል እቲ ዝበዝሕ ሰራሕተኛ ኤክስቴንሽን ጥዕና እንትነፅጎ ካብቶም ቅድም ኢሎም ኣባላት እቲ ውድብ ካብ ዝኾኑ 11 ሰባት እውን እንተኾነ  ዓመታዊ መዋጮ ክኸፍሉ ከምዘይከኣሉ ተፈሊጡ።

ኣስዒቡ እቲ ሓበሬታ ብላዕለዎት ካድረታት ኣመራርሓ ኣብ ስርሖም ጉድኣት ከየብፅሕሎም ሰጊኦም ቅድም ክብል ኣባላት ካብ ዝኾኑ 11 ሰራሕተኛት ዉሽጢ እቶም 6 ጥራይ ናይ ኣባልነት ዓመታዊ ክፍሊት እንትፍፅሙ እቶም ሓሙሽተ ዘይ ምኽፋሎም ኣብ ውሽጢ እቲ ውድብ ተፈጢሩ ዘሎ ዘይምትእምማንን ናይ ምግምማዕን ኩነታት መግለፂ እዩ እንትብሉ ኣባላት ብኣዴን መዛረቢ ዛዕብኦም ገይሮሞ ከምዘለው እሙናት ምንጭታትና ካብ ወረዳ ወንበርማ ሓቢሮም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብ ስልጣን ዝርከብ ስርዓት ኢህወዴግ ኣብ ትሕትኡ ብዝርከቡ ኣርባዐተ ቀንዲ ዉድባት ብኣዴን፤ ህወሓት፤ ኦህዴድን ደህዴንን መንገዲ ኣቢሉ ኣብ ልዕሊ መንግስታዊ ኣብያተ ዕዮ ዝሰርሑ ሰራሕተኛታትን ካልኦትን ብዝተፈላለየ መሰርሕ ፀቕጥታት ብምፍጣር ንዕድመ ስልጣኑ ዘናዉሑ ብበዝሒ ኣባላት ከፍሪ ላዕሊ ታሕቲ ኣብ ምባል ዝርከብ እኳ እንተኾነ ብዝኽተሎ ፀረ ህዝቢ ኣካይዳ ዝቀሓሩ ብርክት ዝበሉ ሰራሕተኛታት ግና ኣብ ክንዲ ኣባላት ኢህወዴግ ምዃን ኣባላት ካልኦት ተቓወምቲ ዉድባት ክኾኑ ከም ዝረኣዩ እቲ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።