ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ ኣብ ከተማ ኣዲስ
ኣበባ ክፍለ ከተማ ካዘንችስ ንኩዕሶ ሜዳ መስርሒ ቅድሚ ዓመት
ዝተመደበ 60 ሚልዮን ብር ሃፍቲ ህዝብን ሃገርን ክሳብ
ሕዚ እቲ ስራሕ ክጅመር ከም ዘይከኣለ ድሕሪ ምግላፅ ገለ ነበርቲ እቲ ከባቢ
ምኽንያት ዘይመስሪሒኡ ንምፍላጥ ናብ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን
ናይቲ ከተማ ከይዶም እንተሓተቱ ዝረኸብዎ ምላሽ እንተሃለወ “ክንሰርሖ ንኽእል ዘይክንሰርሖ እዉን ንኽእል” ብምባል ናይ ሕጫጨ
መልሲ ከም ዝመለስሎም ክፍለጥ ተኻኢሉ።
ብተመሳስሊ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ክፍለ ከተማ ኣቃቂ ኣብ 2004 ዓ/ም ዝዓብየ ስታድዩም ንኽስራሕ
ባጀት ምስላዑ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ እንተኾነ መንግስቲ ክንሰርሕ ኢና እንተዘኮይኑ ኣብ ተግባር ዝተራእየ ነገር የለን ክብል
ነባሪ እቲ ከባቢ ኣብቲ ስርዓት ዘለዎ ፅልኣት ኣብ
ምግላፅ ከምዝርከብ ዝበፀሐና ሓበሬታ የመልክት።
ኣብ
መወዳእታ ሰበ ስልጣን ኢህወዴግ ህዝቢ
ንምድንጋርን ፖለቲካዊ ረብሓኦም ንምምላእ ክብሉ ዘይትግበር መብፀዓታት ምእታው ልሙድ መታለሊ
ተግባሮም እዩ ክብሉ ነበርቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ መዛረቢ ዛዕባኦም
ኮይኑ ከምዘሎ እቲ ኣረዲኡ።