ብመሰረት
ካብ’ታ ከተማ ዝበፀሓና ሓበሬታ ኣብ መላእ ከተማ መቐለ ካብ 20
ለካቲት 2006 ዓ.ም ኣትሒዙ ዝሽየጥ ባኒ ካብ ድንኳናት ጠቕሊሉ ጠፊኡ ከም ዘሎ ምስ ጠቐሰ ምኽንያት ናይ’ዚ ከዓ ኣፍረይቲ
ባኒ ዝኾና ኣብያተ ፈርኖ መሸጣ ሕሩጭ ፊኖ ይኹን ስርናይ ኣብ ስልጣን ዘሎ ገዛኢ መንግስቲ ኣብ ትሕቲ ማሓዉራቱ ኣእትዩ ብኣግባቡ ክከፋፈል ይገብር ብዘይምህላዉ እተን ኣብያተ ፈርኖ ስርሐን
ከቋሪፃ ግድን ኮይንዎን ከም ዘሎ ተሓቢሩ።
ኣብ
ከተማ መቐለ ዝርከብ ምምሕዳር እቲ ስርዓት ከም ሕሩጭ ፊኖን ካል አትን ዝኣምሰሉ ሃለኽቲ ነገራት ባዕሉ ክከፋፈሉ ይገብር ኣለኹ
እኳ እንተበለ እቶም ዘከፋፍሉ መሓዉራት ንረብሓ ህዝቢ ኣብ ግምት ብዘይእተወ መገዲ ንዕኦም ንዝመስሉ ማሕበራትን ትካላትን
ስለዝሸጥሎም ንሳቶም’ዉን ተቐቢሎም መጠኑ ዝሓለፈ ትርፊ ንምርካብ ይሓብእዎን ሓቢኦም ናብ ካልእ ከተማታት ኣሳጊሮም ይሸጥዎን
ስለ ዘለዉ እቲ ኣብዝሓ ነባራይ ህዝቢ መዕንገሊ ከብዱ ስኢኑ ኣብ ፀገም ወዲቑ ከም ዝርከብ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ።
ኣብ
መወዳእታ ፀረ ህዝቢ ስርዓት ኢህወዴግ መዓልታዊ ጠለባት ሕብረተሰብ ዝኾኑ ከም ዘይቲ፤ ሽኮር፤ ሓሩጭ ፊኖምን ስርናይን ዝኣምሰሉ
ሃለቐቲ ሸቐጣት ብመንገዲ ዕሱባት ካደረታቱን ኣባላቱን ክከፋፈሉ ብምግባር ኣብ መላእ ሃገርና ኣብ ዝርከባ ከተማታት ዝነብር
ህዝቢ ብከብዱ ቆሪኑ ብምሓዝ ፅግዕተኛ እቲ ስርዓት ንኽኾነ ብምግባሩ ብተደጋጋሚ ዝንቀፈሉ ተግባር ምኳኑ ይፍለጥ።