ላዕለዎት
ሰበ-ስልጣን ክልል ትግራይ መንግስታዊ ይኹና ዘይመንግስታዊ ባንክታት ንታሕተዎት ነጋዶ፤ ሰብ ትካላትን ማሕበራትን ልቓሕ ገንዘብ
ከይህባ ኣጊደሞን ከም ዝርከቡ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ኣብ ክንድኡ ንመንቀሳቐሲ ሰራሕ ናይ ገንዘብ ልቓሕ ዝደሊ ሰብ ኣብ ትካል
ማይክሮ ፋይናንስ ደደቢት ፍትሓዊ ልቓሕ ኣቐዲሙ 20 ሽሕ ቅርሺ ዓቚሩ ብምፅናሕ ድሕሪ ስለስተ ወርሒ 80 ሽሕ ቅርሺ ብልቓሕ
ክወስድ ይኽእል ዝበል መምርሒ ኣዉሪዶም ከም ዝርከቡ ገሊፁ።
ኣስዒቡ
እቲ ሓበሬታ ተኣሳሲሩ ወሪዱ ዘሎ መምርሒ ገንዘብ ህዝቢ ሜላታት ፈጢርካ በተን ባዕሎም መሳርሒ ንኽኾና ዝፈጠርወን ትካላት ኣቢሎም
ንምቁፅፃርን ንዘይተደልዩ ሰባት ድማ ንኸይሰርሑ ንምትእጉጓልን እንተዘይ ኮይኑ ንመነባብሮ ሕብረተሰብ ንምቕያር ተባሂሉ ዝመፀ
ሓዱሽ ኣሰራርሓ ብዘይምዃኑ ኣቐዲሞም 20 ሽሕ ብር ዝዓቖሩ ወገናት ድሕሪ 3 ወርሒ 80 ሽሕ ብር ብልቓሕ ክዋሃቦም ኣብ ዝሓትሉ
ንዝደለይዎን ንቤተሰቦምን እናሃቡ ንዘይደለይዎም ሰባት ግና ገንዘብ የብልናን እንተደሊኹም ገንዝብኩም ዉሰዱ እናበሉ ብዘይ ዝኾነ
ወለድ ይምልስሎም ከም ዘለዉ ኣረዲኡ።
ብሰንኪ
ዝኽተልዎ ዘለዉ ዝንቡዕ ኣሰራርሓ ኣብ ከተማታት ዝነብር ብርክት ዝበለ ህዝቢ ንስራሕ መንቀሳቐሲ ገንዘብ ብምስኣኑ ዝጀምሮ
ስራሕቲ ጠጠዉ ኣቢሉ ካልእ ግዝያዊ ስራሕቲ ኣሊሹ’ዉን ክረክብ ብዘምኽኣሉ ብርክት ዝበሉ መዓልታዊ ሰራሕተኛታትን ኮንትራክተራትን
ብዘይ ስራሕ ኮፍ ኢሎም ይዉዕሉ ከም ዘለዉ እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ወሲኹ ገሊፁ።