Wednesday, March 5, 2014

ነበርቲ ገደባትን ሉግድን ዝኾኑ ኢትዮጵያውያን ወገናት ፖሊስ ሱዳን ካብ መረበቶም የፈናቕልዎም ከም ዘለዉ ካብቲ ከባቢ ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ።



    እቶም ኣብ ገደባትን ሉግዱን ንነዊሕ ዓመታት ክነብሩ ዝፀንሑ ኢትዮጵያውያን ዜጋታትና ብ6 ለካቲት 2006 ዓ/ም ፖሊስ ሱዳን ነቲ ዶብ ጢሒሶም ናብቲ ከባቢ ብምእታዉ እዚ ከባቢ መንግስቲ ኢትዮጵያ ስለ ዝሃበና ልቐቑልና መሬትና እዩ ብምባል ብሓይሊ ኣገዲዶም የፈናቕልዎም ከም ዘለዉ እቲ ዝበፀሓና ሓበሬታ ገሊፁ።
 መሬት ሃገርና ብምዃኑ ኣብቲ ከባቢ ንነዊሕ  ዓመታት ክነብሩሉ ዝፀንሐ እዞም ዜጋታትና ሎሚ ብፖሊስ ሱዳን ተጊዲዶም ካብ መሬት ሃገሮም ኢትዮጵያ ዉፅኡ ብምባሎም ስለ ዘይተዋሓጠሎም መሬት ሃገርና ኣይንሓድግን ብምባል ንዝምልከቶም ሓለፍቲ ኢትዮጵያ ጥርዓኖም እንተቕረቡ ሰማዒ ክረኽቡ  ከም ዘይከኣሉ ተፈሊጡ።
   በቲ ዝካየድ ዘሎ መስርሕ ምፍንቓል ብዙሓት ህፃናትን ሽማግለታትና ዝርከብዎም  ነበርቲ ናይ’ቲ ከባቢ ዝነበሩ ብዘይ ዝኾነ ሓገዝ መፅለሊ ኣብ በረኻ ተደርብዮም ግዳይ ፀሓይን ቁርን ኮይኖም ይሳቐዩ ምህላዎም ኣረዲኡ።