እቶም ኣብ ከተማ ሽረ ዝርከቡ ዕጡቛት ካድረታት
እቲ ስርዓት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ግፍዕታት የወርዱ ምህላዎም ዝገለፀ
እቲ ሓበሬታ ካብቶም ግዳያት ሓደ ድማ መንእስይ ሓረጎት እንትኾን
ንሱ ዝፈፀሞ ገበን ዘይብሉ ብ7 ለካቲት 2006 ዓ/ም ብበትሪ እናቐጥቐጡ
ናብ ቤት ማእስርቲ ከም ዝዳጎንዎ ተገሊፁ።
መንእስይ ሓረጎት ዝፈፀሞ በደል ዘይብሉ ብዓይኒ ጥርጣረ ጥራሕ ን6ተ ዓመት
ክእሰር ከም ዝተፈርደ እንትኾን ሕጋዊ ፍሩድ ኮይኑ ናብ ቤት ማእሰርቲ ሽረ ምስ ኣተወ ኣብኡ ብዝፀንሑ ፖላዊስ ዝኸፍአ መግረፍትን
ለይትን መዓልትን ብሸንሸል ማእሰርቲ ስለ ዝመረሮ ድሕሪ 6ተ ወርሒ ካብ’ቲ ቤት ማእሰርቲ ከም ዘምለጠ ተፈሊጡ።
ካብ ቤት ማእሰርቲ ብምምላጡ ዝቃሓሩ ሓለፍቲ ናይቲ ቤት ማእሰርቲ ነቶም ሸዑ ኣብ ሓለዋ ዝነበሩ በረሀን ወዲ ኩማን ዝተባሃሉ ክልተ ኣባላት ፖሊስ
ፈሊጥኹም ኣውፂእኩም ካብ ዝምፃኹም ኣምፅእዎ ዝብል ትእዛዝ ስለ ዝሃብዎም ንዕኡ ንምሓዝ ፈቐድኡ ኮለል ኣብ ምባል ከም
ዝርከቡ እቲ ዝበፀሐና ሓበሬታ ኣመልኪቱ።