እቶም ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ከተማ ሽረ ዝርከቡ ኣማሓደርቲ ህወሓት-ኢህወዴግ
ቅድም ክብል 20 ብ20 ብዝፍለጥ መንበሪ ገዛኦም ብምምሕዳር ዝፈረሶም ነበርቲ ኣብ ቤት ማዛጋጃ ዝርከብ ኣዳራሽ
ንኽእከቡ ን19 ለካቲት 2006 ዓ/ም ብዕሱባት እቲ ስርዓት ውሽጢ ውሽጢ ብዝተገብረሎም ፃዊዒት መሰረት ኣብቲ ዝተጠቐሰ ቦታ
በቲ ዝተጠቐሰ ዕለት ናብቲ ኣኼባ ኣሎ ዝተበሃለሉ መአከቢ ምስከዱ ከንቲባ እታ ከተማ ሚኪኤለ ኣባይ ንሕና ኣይፀዋዕናኩም ብምባል
ከምዝመለሶም እቲ ሓበሬታ ኣረዲኡ።
ብተግባር እቲ ከንቲባ ብሓፈሻ ድማ በቲ ስርዓት ብዝበፅሖም ዘሎ ተደጋጋሚ ምድንጋርን ጥልመትን ዝተቖጥዑ ልዕሊ 300 ዝኾኑ ገዝኦም ዝፈረሶም ነባራት
ተጋደልቲ ዝርከብዎም ናብ ኣኼባ ተፅውዒኹም ተባህሎም ናብ ቤት መዛጋጃ እታ ከተማ ዝኸዱ ወገናት ቅድም ክብል ብዘይ ዝኾነ ይኹን
ካሕሳ ገዛና ምፍራስኩም ከይኣክል ሕዚ ድማ ተኣከቡ ኢልኩም ክተብቅዑ ዝፀዋዓኩም ኣካል የለን እናበኩም
ተከላብቱና ኣለኹም ድሕሪ ምባሎም ካባኹም ህዝባዊ ሓልዮት ከም ዘየለ ኣቐዲምና ንፈልጠኩም ኢና። ነቲ ብዋጋ ደቂ ህዝቢ
ዝረኸብኩሞ ስልጣን ተበሊፅኩም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ተፍፅምዎ ዘለኹም ምትላል ነዊሕ ኣብ ዘይኮነ ግዜ ዋጋ ከኽፍለኩም ከም ዝኾነ
ፍለጡ ክብሉ ኣይተ እምሃ ሃለቃ በሪሁ ኣይተ ደመቀ ዝተባሃሉ
ተጋደልቲ ነበራት ዝርከብዎም ኣብ ቅድሚኦም ምረቶም ከም ዝገለፅሎም እቲ ዝበፅሓና ሓበሬታ ወሲኹ ኣመልኪቱ።
ኣብ መወዳእታ ካብ’ቶም 300 ግዳያት እቶም 100 ዝኾኑ ነቲ ዘጋጥሞም
ፀገም ገለ ፍታሕ ንኽረኽቡ ናብ ኣማሓዳርቲ ናይቲ
ዞባ ዋላኳ እንተኸዱ ዋርድያ ናይቲ ቤት ፅሕፈት እቲ ዞባ ዝሰምዕ ሰብ የለን ኣብ ገባር ሆቴል
ኣኼባ እዮም ዘለው ኢሉ ከም ዝመለሶም ትሓቢሩ።