Wednesday, March 5, 2014

ኣብ ወረዳ ኣስገደ ፅምብላ ሕርሻ መሬቶም ዝተመንጠሉ ወገናት ነቲ ፀረ-ህዝቢ ኣሰራርሓ ብምቅዋሞም ጥራይ ብልኡዃት ስርዓት ህወሓት-ኢህወዴግ ይቕተሉ ከም ዘለዉ ተሓቢሩ።




ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ወረዳ ኣስገደ ፅምብላ ጣብያ ደብረ-ማርያም ቁሸት ደርሜላ ብሕጋዊ መንገዲ ናይ ሕርሻ መሬት ተዋሂብዎም ንዓመታት ክጥቀምሉ ዝፀንሑ ብኣመሓደርቲ ስርዓት ህወሓት-ኢህወዴግ ተመንጢሎም ጥራይ ኢዶም ካብ ዝተረፉ ነበርቲ ሓደ ዝኾነ ኣይተ በሪሁ ሽሻየ መነባብሮና እንታይ ሰሪሕና ክንመርሕ ኢሉ ብምቅዋሙ ንኪሮስ ፀሃየ ዝተባሃለ ልኡኽ እቲ ስርዓት ብእምኒ ወቒዑ ክቐትሎ ከም ዝኻኣለ ካብ’ቲ ከባቢ ዝበፀሓና ሓበሬታ ገሊፁ፣፣

ቀታሊ በሪሁ ሽሻየ ስርዓት ብዘይብሉ ኣካይዳ ኣመሓደርቲ እቲ ወረዳ ናይ ሕርሻ መሬቱ ብምምንጣሉ ምስ ከምኡ ዝበሉ ብዱላት ኮይኑ ፍታሕ ንምርካብ ሕቶ ኣብ ዘቕረበሉ ፍታሕ ብምስኣኑ ንዚ ስጉምቲ ከምዝወስደ እቲ ሓበሬታ ወስኹ ገሊፁ።