Saturday, March 15, 2014

ኣብ ወረዳ ኢሮብ ዝርከቡ ኣመሓደርቲ ንህዝቢ ኣኪቦም ኩሉ መሰላትኩም ተከቢሩ ዘሎ ብሳላ ዉድብኩም ህወሓት-ኢህወዴግ እዩ ክብሉ ንዘቕረብዎ ሓሳብ ህዝቢ ብወገኑ ንሕና ዝረኣናዮ ለዉጢ የለን ብምባል ተቓዉምኡ ከም ዘስምዐ ተገሊፁ።



ብመሰረት እቲ ሓበሬታ ኣብቲ ኣኼባ ከም ቀንዲ ዛዕባ ኮይንኖም ዝቕረቡ ኣጀንዳታት፦ -ብሄረሰብ  ኢሮብ መሰሉ ተሓልዩ ደቁ ብቋንቋ ኣዲኦም ክመሃሩ ተጌሩ፤ ህዝቢ ብቋንቁኡ ይመሓደርን ይፍትሒ ይረክብን ይተኣናገድን ኣሎ፤ ዘድለዮ ሓበሬታ ክረክብ ብቋንቁዑ ፈነወ ሬድዮ ተኸፍፊትሉ ተጠቃሚ ኮይኑ።

-ሰናይ ምምሕዳር ምሉእ ብምሉእ ተረጋጊፁ ልምዓትን ዕቤትን ኣብ ስድራቤታት መሰረታዊ ለዊጡ ኣምፂኡ።
     -ህወሓት--ኢህወዴግ ኣብ ትግራይ ካብ ዝርከቡ ብሄረሰባት ዝያዳ ንብሄረሰብ ኢሮብ ይንከናኸኖን ይሕብሕቦን ኣሎ። በዚ ከዓ ልዕሊ ማንም ተጠቀምቲ ኮይንኩም ኣለኹም ነዚ ዝኾነ ተወላዲ ኢሮብ ኣስተማቒሩ። ንህወሓት ክከናኸኖን ኣብ ጎኑ ጠጠዉ ኢሉ ካልኦት ዉድባት ኣንፃር ረብሕኡ ምዃኖም ፈሊጡ ባይታ ከስእኖም ኣለዎ ዝብሉን ካልኦትን ኣብቲ ኣኼባ ዝተዘረበሎም እዮም።

 ነቲ ባማሓደርትን ከድረታትን እቲ ከባቢ ንዝቐረበ ሓሳብ ብምቅዋም ብህዝቢ ካብ ዝቐረቡ ሕቶታት  ገሊኦም።-

-መንግስቲ ኣብታ ዘይብላ መሬትና ካብ ዓቕምና ንላዕሊ ሕድ ሕድ ገዛ ሓደ ኲንታልን ፈረቓን መዳበርያ ድኹዒ ብመምርሒ ክንወስድ ይገግብ ኣሎ።

- ብሽም ሰፍትኔት (ሰሪሕኻ ብላዕ) ዝኾነ ሰብ ክንዲ ዝሰርሖ ገንዘብ ክኽፈሎ እዩ ሰለ ዝበኩሞ። ህዝቢ ድራር ዕለቱ ንምምእራር ካብ ዳዉሃን ናብ ጣብያ ኣራዕ ዝኸይድ ፅርግያ ለይትን ቀትርን ምስ ሰረሐ ገንዘብ ከሊእኹሞን

-መሬት መቐሎ ሓላሓሊፉ ንዉሑዳት ሰባት ይዕደል። ብሽም መሬት መቐሎ 20 ብ20 ዝተወሃቡ ሰባት ኣለዉ። እዙይ ኣመሓደርቲ ብቤተሰባዉን ብላዕ እናተቐበሉን ዝገብርዎ ዘለዉ ስለ ዝኾነ ሕጋዉነት የብሉን መንግስቲ ንምንታይ ዘይቆፃፀሮ።

-ሕፅረት ዝስተ ፅሩይ ማይ ኣብ ምሉእ እታ ወረዳ ኣሎ። ብፍላይ ነባሪ ህዝቢ ጎራንጎይራ ነዊሕ ዓመታት ዘቑፀረ ሕፅረት ዝስተ ማይ ከም ዘሎ ዝፈለጥ ኮይኑ መፍትሒ ዝገብር ኣካል ስለ ዘየለ ሰብን እንስሳን ኣብ ሓንቲ እናተጠቐሙ ኣደዳ ሓማማት ኮይኖም ይሳቐዩ ኣለዉ።

-መንግስቲ ሰናይ ምምሕዳር ኣንጊሰ ይብል እንተኾነ ንፅጉም ህዝቢ ተባሂሉ ዝመፀ ሓገዝ እኽሊ ኣብ ወረዳን ጣብያን ዝርከቡ ኣመሓደርቲ ሂብና ንመበሊ ተወሰነ ቁንጣሮ ምስ ሃቡ ዝተረፈ ንባዕሎም ተኻፊሎም ይብልዕዎ ኣለው።

ኣብ መወዳእታ በዝሒ ብሄረሰብ ኢሮብ ልዕሊ 35 ሽሕ ኮይኑ ኣብ 7 ገጠር ጣብያታትን ከተማታትን ተበቲኑ እንትነብር ምምሕዳር ብዝፈጥሮ ፀገም መነባብርኡ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናኸፈአ መፂኡ ኣብ ከቢድ ናይ መነባብሮን መሰረተ ልምዓትን ሽግር ከምዝርከብ እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ።