Saturday, March 15, 2014

ንግዕዙይ ምሕደራ ስርዓት ኢህወዴግ ብምቅዋም ናብ ውድብ ዴምህት ዝተፀበሩ ተማሃሮ ኣብ ከይዲ ምምሃር ምስ ትምሃር ንዘሎ ርኡይ ፀገማት ኣቃሊዖም።



እቶም ኣብ ወረዳ ኢሮብ ኣብ ዝርከባ ዝተፈላለያ ኣብያተ ትምህርቲ ክመሃሩ ፀኒሖም ኣብ ልዕሊኦምን ኣብ ልዕሊ መማህርቶምን ክፍፀም ንዝፀሐ ግፍዒታት ብረቶም ኣልዒሎም ኣንፃር ስርዓት ህወሓት-ኢህወዴግ ንምቅላስ ናብ ውድብ ዴምህት ካብ ዝተፀምበሩ ገለ ዝተወሰኑ ኣስማቶም ንምጥቃስ።

1.ተስፋይ ገብረ ወልዱ
2.ብርሃነ ግርማይ ወልደሚኪኤል
3.ጠዓመ  ኪዳነ ተስፋይ
4.ኣንገሶም በየነ ሓጎስ
5.መርሃዊ ሃፍቶም ሃይለን ካልኦትን እንትኾኑ እዞም መናእሰይ ካብ ዞባ ምብራቕ ወረዳ ኢሮብ ጣብያታት ዓሊተና፤ ወርዓትለ፤ እንዳልገደን ካብ ዝተበሃሉ ከባቢታት ዝመፁ ከም ዝኾኑ ካብ ክፍሊ ታዕሊም ዴምህት ዝተለኣኸ ሓበሬታ ገሊፁ።

     መንእሰይ ኣንገሶም በየነ ናብ ውድብ ዴምህት ተፀምቢሩ  ክቃለስ ዘገደዶ ኩነታት እንትገልፅ  “ኣብ ከባቢና  ብቐረባ  ኣብያተ ትምህርቲ  ብዘይምህላዉ ካብ ጣብያና ሪሑቑ ናብ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ተመላሊስና ክንምሃር  ስለ እንግደድ ከም ውፂኢቱ ድማ ኣብ ምምሃር ምስትማሃር ዓቢ ዕንቅፋት ከም ዘጋጥሞም” ምስ ገለፀ ኣስዒቡ “ናይ ምሸት ተራ /ሽፍቲ/ ኣብ እንኸኖሉ እዋን ድማ ኣብ  ከባቢ ገራሳ ዝርከቡ ወተሃደራት እቲ ስርዓት ኣበይ ኣምሲኹም ምስ ዴምህት ርክብ ኣለኩም እናበሉ ኣብ ሰፈሮም ኣሲሮምና ይሓድሩ ክብል ብምረት ኣረዲ።፣

      መናእሰይ ብርሃነ ግርማይን ተስፋይ ገብረን ብግድኦም ካብ ዩንጋ፤ሒለ፤ ደናይ ካብ ዝተባህሉ ቑሸታት ዶሃን ናብ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ንምብፃሕ ካብ ኣስታት 3፣00 ሰዓት ዝወስድ ናይ እግሪ ጉዕዞ ካብ ዝመላለሱ መብዛሕትአን ደቂ ኣንስትዮ ዝርከብኦም ተማሃሮ ትምህርቶም ኣብ ምቑራፅ ይርከቡ ክብሉ ድሕሪ ምግላፅ 9 ክፍሊ ዝበፅሑ  ተምሃሮ እንተኾኑ’ውን ኣብ ከባብኦም ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ብዘይምህላዉ ናብ  ከተማ  ዓዲ ግራትን ዳዉሃን ካልእ ከባቢ ከይዶም ኣብ ዝመሃርሉ ንገዛ ኽራይን ካልእ ወፃእታትን መጓዓዝያን ዝኸውን ገንዘብ ክረኽቡ ሰለ ዘይኽእሉ ትምህርቶም ኣቋሪፆም ኮፍ ዝበሉ ተምሃሮ ብዙሓት ምዃኖም ገሊፆም።

 ኣብ መወዳእታ እዞም መናእሰይ ትምህርትና ኣቋሪፅና ናብ ቃልሲ ክንፅንበር ዝመረፅናሉ ምኽንያት ኣብ ስልጣን ዘሎ ስርዓት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ፍፅሞ ዘሎ በደል ከብቅዕ ዝኽእል ብቓልሲ ብዘይ ሰራሕ ሸኽሚ ስድራና እንካብ ንኸዉን መፍትሒ ንምምፃእ ብሓደ ተጠርኒፍና ናብ ውድብ ዴምህት ብምፅምባር ኣንፃር ግዕዙይ ምሕደራ ስርዓት ኢህወዴግ ምቅላስ መሪፅና ክብሉ ተዛሪቦም።