Thursday, March 20, 2014

ኣብ ዞባ ኣዊ ወረዳ ጃዊ ዝርከቡ ሓረስቶት ንጣና በለስ መስኖን ንመስርሒ ንሽኮር ፋብሪካን ተባሂሉ ዝተወስደ መሬት መተካእታ ሰለ ዘይተውሃቦም ንፀገም ምቅላዖም ተገሊፁ።



እቶም ነበርቲ ቅድሚ  ነዊሕ ዓመታት  ክጥቀምሉ ዝፀንሑ ናይ ሕርሻ መሬቶም ብዘይ ዝኾነ ይኹን ቅድመ ምድላው፤ ካሓሳን መተካእታ መሬትን ከይተውሃቦም ቅድሚ ክልተ ዓመታት ሃንደበት ብመንግስቲ መሬቶም ተመንጢሎም ምስ ተወሰደ ኣብዚ ሕዚ እዋን ምስ ስድራኦም  ኣብ ከቢድ ፀገም ወዲቖም ከም ዝርከቡ እቲ ዝተረኸበ ኣረዲኡ።

     ብተወሳኺ እዚ ልዕሊ 75 ሽሕ ሄክታር ዝኣክል መሬት  ዝተመንጠሉ ብርክት ዝበሉ ወገናት መተካእታ መሬት ክወሃቦም ንኣመሓዳሪ ናይቲ ዞባ ኣይተ ባዘዘው ጫኔ  በተደጋጋሚ  ዘቕረብዎ ጥርዓን ውፅኢት ክረኽቡ ብዘይምኽኣሎም በዚ ተስፋ እንከይቖረፁ 6 ወከልቲ ብምምራፅ ናብ ሓላፊ ፌዴራል ኮርፖሬሽን ልምዓት ሽኮር ብምኻድ  ሕትኦም እዃ እንተቕረቡ ዝተዋሃቦም ምላሽ  ካብቲ ናይቲ ዞባ ዝተፈለየ ብዘይ ምዃኑ ፀገማቶም ቆላሕታ ዝምልከቶ ኣካል ስኢኑ ልዕሊ ዓቕሞም ብምዃኑ መረረቶም ብተደጋጋሚ ኣብ ምስማዕ ከም ዘለዉ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።