Thursday, March 20, 2014

ኣብ ክልል ኣምሓራ በለያ፤ ኣዊ፤ ዋግ-ኽምራ ኣብ ዝተባሃሉ ዞባታትን ኩንፋ ኣብ ዝተብሃለ ከባቢታትን ዝርከቡ ዜጋታት ከም ክልል ክንፍለጥ መሰልና ይተሓሎ ይብሉ ከምዘለው ምንጭታትና ካብቲ ክልል ሓቢሮም።



ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ  ኣብ ክልል ኣምሓራ ናይ ህምፀንን ኣገውን ቋንቋ ተዛረብቲ ዝኾኑ ዜጋታት ኣ.ብ.ዴ.ፓ ዝብል ውድብ መስሪቶም ብብሄሮም ተወዲቦም ከም ሓደ ክልል ክፍለጡ መሰሎም ክሕሎ ሕቶ ናብ ዝምልከቶም ኣካልት ከም ዘቕረቡ ድሕሪ ምግላፅ ሰበ ስልጣን እቲ ክልል ግን ግቡእ ምላሽ ክህብዎም ከም ዘይከኣሉ ተፈሊጡ።

      ኣስዒቡ እቲ ሓበሬታ ሰበስልጣን መንግስቲ ኣብ ዞባታት በላያ፤ ኣዊን ዋግኽምራን ከምኡ’ውን ነበርቲ ከባቢ ኩንፋ ጣልቃ ብምእታው ናይ መሰል ሕቶ ንዝሓተተ ህዝቢ ከም ሓደ ፀረ ሃገር ብምርኣይ ኣምሲሎም ንኣባላቶምን ንካድረታቶምን ወዲቦም ብምጉስጓስ። ኣብ ልዕሊ ናይ መሰል ሕቶ ዘልዓሉ ዜጋታት ሕቶኦም ክሳብ ዝቕይሩ ስጉምቲ ክወስድሎም መምርሒ  ከም ዘወረድሎም ኣረዲኡ።
   
ኣብ መወዳእታ ላዕለዎት ካድረታት ክልል ኣምሓራ  ኣንፃር እቶም ሕቶ ዘቕረቡ ነበርቲ ጎስጓስን ተቓውሞን ከስምዓ ይኽእላ እየን ዝተበሃላ  ኣብ  ዞባታት በላያ፤ኣዊ፤ ዋግ-ኽምራን ከባቢ ኩንፉ ካብ ዝርከባ ገጠራት ኣባላት ከቢኔታት ዝኾና ኣብቲ ዝተፀወዐ ኣኼባ ዝተሳተፋ ደቂ ኣንስትዮ ምእንታን ነቲ ብህዝቢ ዝቐረበ ሕቶ ከዳኽማ ተባሒሉ ናይ ፍርቂ መዓልቲ ኣበል 500 ብር ከም ዝተዋህበን እቲ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።