Monday, June 30, 2014

ኣብ ወረዳ ኣስገደ ፅምብላ ከተማ እንዳባ-ጉና ዝርከቡ ካድረታትን ኣመሓደርትን ብ14 ሰነ 2006 ዓ/ም ኣገዲዶም ናይ ድጋፍ ሰለማዊ ሰልፊ ከካይድ ዘውፅእዎ ህዝቢ ከም ዝተቓወሞም ምንጭታትና ካብቲ ከባቢ ሓቢሮም፣፣



ኣብቲ ሰለማዊ ሰልፊ ብኣካል ዝነበሩ  ምንጭታትና ከም ዝሓበርዎ ነባሪ ህዝቢ ከተማ እንዳባ-ጉና ኣብ ወረዳና ሰናይ ምሕደራን ፍትሕን ነጊሱ እዩ ኢልካ ድምፅኻ ንምስማዕ ኩልኻ ህዝቢ ሰለማዊ ሰልፊ ውፃእ ተባሂሉ በቶም ካድረታት ገዛ ገዛ እናተፈተሸ ተገዲዱ ናብ ጎደና ክወፅእ ከም ምስተገበረ ካድረታት እቲ ስርዓት ብዛዕባ ሰናይ ምምሕዳርን ፍትሕን ጎስጓስ ኣብ ዝጀመርሉ እዋን ተኣካቢ ህዝቢ ድማ ኣብ ክንዲ ፍትሒ ኣንጊስና እትብሉና ፍትሒ ኣጥፊእናያ ኣለና ንዑ ኣቃብሩና ዘይትብሉና፤ ፍትሕን ሰናይ ምምሕዳርን ገዲፍኩም ገንዘብ ኣበይ ይርከብ እናበልኩም ደድሕሪ ገንዘብ ትጎዩ ኣለኹም’ምበር ፍትሕን ሰናይ ምሕደራን ዝበሃል ኣይረአናን፤ ዋላ ንድሕሪ ሕዚ’ውን ካባኹም ፍትሒ ኣይንፅበን  ከም ዝበሎም ተፈሊጡ፣፣

    ካብ’ቶም ኣብ’ቲ ናይ ኣስገዳድ ኣኼባ ተረኺቦም ንግዕዙይ ምሕደራ ተቓዊሞም ዘስምዑ ሓደ  ኣይተ ኣታኽልቲ ደሳለኝ ቅድም ኢሉ ትካል ሓፂን መፂን ዝነበሮም ኣብዚ ሕዚ እዋን ግን ልዕሊ ዓቐን ግብሪ መንግስቲ ክኸፍሉ ስለ ዝተገደዱ ንክሳራ ተቓሊዖም ትካሎም ዓፅዮም ዝርከቡ ነባራይ ቀበሌ 02 ምዃኖም እቲ ሓበሬታ የረድእ፣፣