Friday, February 17, 2017

ሳላ በሪሁ እዩ በሪሁ፣



ኣብቲ ዘፍርሕ ሃው ዝበለ ገደል
ሳላ ትብልሓቱ ፈጢሩ መሳልል
ንድቅድቕ ፀላም መልኣከ ሞት ስዒሩ
ንእሾኽ ፀሪጉ መንገዲ ፈጢሩ
ንሙቐት ኣዝሒሉ ንከዉታ ኣንጊሁ
ሳላ በሪሁ እወ ርኢና በሪሁ።
                        
ካልእ እኮ የብሉን ልብና ኣድባራቱ
ሓዱሽ ኪዳን እዩ ንደግሞ ቃላቱ
መለኮት እዩ ንሱ ኣብ መንፈስ ዝኣቱ
ፍፁም እኮ እዩ ቁኑዕ ተግባራቱ
ንሕሰም መሊኹ ዘይብዳህ በዲሁ
በሪሁ ነዲዱ ብርሃን ግን ኣብሪሁ።

ይሓልፈሉ እየ ኣነ ከክንድኡ
ብርሃፀ ደሙ በዕፅምቲ ስግኡ
ከፊሉ ዝወድአ ልዕሊ እቲ ዋግኡ
ምዃኑ ይኣምነሉ እየ ፃድቕ ዘፅድቕ
ፀሓይ ዉልቁ ኣዕሪቡ ፅሓይና ዘብረቐ
ምልእቲ ወርሒ ኮይኑ እዛ ዕለት ዘድመቐ፣
                              
ልዕሊ ኣንፑል ባዉዛ ቀንዴል እዩ ፀዳል
ኣብነታዊ ብፃይ ግርማ ናይ ምግዳል
ቀዲሙ ዝቐደመ ከይበለ ንድሕሪት
ቁፅሪ ሓደ ዝርቋሕ ኣብ ግስጋሰ ዴምህት
ንሱ እዩ ትዝኸዶ ንጉሆ
ዘብረሀልና ሽምዓ ንሱ ከይበርሆ፣

እወ እዚ ዉፉይ ገንሸል ኣርማ ህዝባዉነት
ሓወልቲ ልብና ሕሩይ ዘንቲ እለት
ጥዑም ተመንዩ ከይመረፀ ምንባር
ህይወቱ በጅዩ ንስለ እዚ ህዝቢ ንስለ እዛ ሃገር
ኣሰረይ ሰዓቡ ኢሉ ተሰዊኡ
በሪሁ ብርሃኑ ደሚቑ ሳልኡ።
                           
ኮኾብ ኮዋኽብቲ ፅላል ኣኽሊል ዘዉዲ
ቀዲሙ ዝርቛሕ ኣብ ታሪኽ ትዉልዲ
ህላወ ኣውሒሱ ባይታ ኣጣጢሑ
ቃላቱን ግብርታቱን ኣብ ኩሉ መሪሑ
ሳላ ዝሓሰበ ንርሑቕ ኣንዊሑ
ዘይስራሕ ዝመስል ታሪኽ ተሰሪሑ።


ሳላ በሪሁ እንዶ ኣይኮነን እዚ ብርሃን ርኢና
ኣብ ፀርጊ ብርሃኑ ኣሽሓት ፈሪና
እቲ ብርኪ ሊሎ ጎዩ ዘይረብረበ
ዕድመ ንእስነቱ  መሊኡ ዘረከበ
ክፀንሕ ዘይበለ ንፅባሕ ናፊቑ
ሓንሳብ ምስ ሰጠመ ዘይላሕለሐ ዕጥቁ
ዘይበሃገ ናብራ ሓዳር ፍቕሪ
ቀይሕን ፀሊምን ብዓል ድሙቕ ሕብሪ
ኣብ ማህደር ልብና ወትሩ ተዘካሪ።
           
በሪሁ
                             
ረዚን እዩ ቃሉ ብቶናት ዘይምዘን
ከቢድ እዩ ሽሙ ብታሪኽ ዝምእዘን
መንፈስ እዩ ንሱ ሞይቱ ዝተስአ
ንሓመድ  ንእምኒ  ፈንቂሉ ዝወፀ
ይነበብ ይዘንቶ እቲ ናቱ ገድሊ
ረቂቕ መለኮት እዩ እቲ ናቱ ሓይሊ።
            
  በሪሁ
ኣዉያት ናይዛ ጎርዞ ብኽያት ምስ ሰምዐ
ኣብ ሞትን ሕየትን ትንፋስ ዝሰኹዐ፣
ብኣካል መኪቱ ብመንፈስ ዝመጎተ
ሳላ እዛ ክብርቲ ዕለት 19ተ
ንሱ እዩ በሪሁ ብርሃን እዛ ቀንዴል
ኣብ ገድሊ ኣሚኑ ንገድሊ ዝጋደል።
                                          
     በሪሁ
ተመልከትዎ እንዶ እቲ ናቱ ዉፅኢት
ልደታ ኣማዕሪጉ ተሸሊማ ዴምህት
ማህደር ታሪኽ ኮይና ፍስሃ ዎ ደስታ
መስተርሆ ፈጢሩ ናይ በሪሁ ዛንታ
ተስፋና ዓንቢቡ ድነ ተጋሊሁ
በሪሁ ነዲዱስ ንብርሃንና ኣብሪሁ።



1 comment:

  1. ስላም ንዝኸበርኩም ናይ ደምሒ አባላት።

    አነ ሰመይ አልአሚን ዓብዱስላም ዝተበሀልኩ ኢትዬጵያዊ (ትግራዋይ) ተከማትነተይ ሸወደን ዝኾነ ሰብ፥ ሸሙ ዓረቡ ዓብዱስላም ዝተበሀለ ሐወይ ምሰ ደምሒት 15 ዓመት ገይሩ። ን ሐወይ ብኸመይ ክረኽቦ ከምዝኽእል ክትሕብሩኒ ብትሕትና ይሕትት ።

    My Phone Number is +46722737303

    ምስ ክቡር ሰላምታ

    ReplyDelete