ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ደቡብ ወሎ ወረዳ ቦረና ሳይቲ ብ4ተ ሓምለ
2007 ዓ/ም ለይቲ ሰዓት 5ተ ኣብ ልዕሊ ናይ'ቲ ወረዳ ኣማሓዳሪ ዝኾነ ኣይተ መሓመድ ረሽድ ብዝተደርበየ ናይ
ኢድ ቦምቢ ክልተ ቆልዑ እንትሞቱ ንሱን ሰበይቱን ድማ ብከቢድ ቆሲሎም
ኣብ ከተማ ደሴ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ተዓቂቦም ከም ዘለዉ ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈፀመ ኣካል ግና ዛጊት ከም ዘይተትሓዘ ክፍለጥ ተኻኢሉ።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ሃገርና ሰበ ስልጣን እቲ ስርዓት
ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ብዘብፅሕዎ ዘለዉ በደል ምኽንያት ህዝቢ ኣብ ልዕሊ
እቶም ግፍዐኛታት ዝኾኑ ኣማሓደርቲ ሕነ ይፈዲ ምህላዉ ይፍለጥ።