እቶም ኣብ
ምክልኻል ሰራዊት ስርዓት ኢህወዴግ ከገልግሉ ዝፀንሑ ወተሃደራት ናይ ኣገልግሎት ግዝይኦም ኣኺሉ ዝተሰናበቱ ከምኡ’ዉን ብሕማም
ኤድስ ይኹን ካልኦት ሕማማት ብምትሓዞም ኣይተድልዩናን ተባሂሎም በቲ ስርዓት ዝተሰጎጉ ኣባላት ሰራዊት ባዕሎም ኣብዮም ከም
ዝወፁ ኣብቲ መሰናበቲ ወረቐት ስለ ዝተፃሓፈ ኣብ ውሽጢ ሃገሮም ኣብ ዝተፈላለየ ስራሕቲ ተዋፊሮም ንኸይሰርሑ ዕንቅፋት ስለ
ዝኾኖም ኣብ ዓብዪ ፀገም ወዲቖም ከም ዝርከቡ ምጭታትና ካብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ሃገርና ኣረዲኦም፣፣
እቲ
ንግዳያት መሰረት ዝገበረ ሓበሬታ ብተወሳኺ “መንግስቲ ባዕሉ ኣሰናቢቱና ከብቅዕ ባዕልና ኣገልግሎትና ከይወዳእና ብእምቢታ ከም
ዝወፃና ኣምሲሉ ኣብ መሰነይታ ወረቐትና ምፅሓፉ ኣብ ሃገርና ሰሪሕና መነባብሮና ንኸይንመርሕ ዝዓግት ዘይሓላፍነታዊ ኣሰራርሓ እዩ” ብምባል ነቲ መሰነይታ ብሓላፍነቶም
ንዝሃብዎም ኣዘዝቲ ሰራዊት ኣብ ምኽሳስ ከም ዝርከቡ ኣገንዚቡ፣፣
ካብ
ምክልኻል እቲ ስርዓት እንተይ ወፃእና ኣብ ኣዲስ ኣበባ ቤት ፅሕፈት ሚኒስተር ምክልኻል ብ17 ሰነ 2006 ዓ.ም ኣዘዝቲ
እዝታትን ክፈለ ሰራዊትን ዝተረኸብሉ ኣኼባ ኣብ ዘካየድሉ ኣዘዝቲ “ኣባላት ሰራዊት ብሕፅረት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ይፅገሙ
ብዓብዪኡ ከዓ ይጠምዩ ስለ ዘለዉ ባጀት ይወሰኽ ዝብል ሓሳብ ኣብ ዘበገስሉ ገሊኦም ንነፍሲ ወከፍ 50 ቅርሺ ይወሰኽ እንትብሉ
ገሊኦም ድማ ስለ ዘይኣክል 100 ቅርሺ ይወሰኽ” ኣብ ዝብሉ ነጥብታት ድሕሪ ምክርኻር ኣብ 100 ቅርሺ እንትውስኑ ኣብ’ቲ
ቀንዲ መእከቢ ኣጀንደኦም ግን ከይተስማዕምዑ ተኾራርዮም ከም ዝተበተኑ ተፈሊጡ ኣሎ።