Sunday, May 3, 2015

አብ ሃገርና! ሰናይ ምምሕዳር ይኹን ልዕልና ሕጊ አይተረጋፀን!!

   ኣብ ሃገርና ሰናይ ምምሕዳርን ልዕልና ሕጊ ክኽበር ብሰንኪ ዘይምኽአሉ ህዝብና ካብ ድኽነት፤ ድሕረትን ስደትን ክወፅእ ኣይከኣለን ጥራይ ዘይኮነስ ኣብዛሓ ህዝቢ ሰብኣውን ዴምክራስያውን መሰሉ ተሓሪምዎ ብኣንፃሩ  ድማ ውሕዳት ብሃፍቲ ብዛሓት ሓንቂቖም እንትነብሩ  እቲ ውፅዕ ህዝቢ ኣብ ልዕሊኡ ሰፍ ዘይብል  በደል እናተፈፀሞ ንኽነብር ተፈሪድዎ’ዩ።
   እዚ ካብ ሕሉፋት ገዛእቲ ዝጀመረን ሕዝ’ውን ብዝኸፍአ መልክዑ ዝቕፅል ዘሎን ሰናይ ምምሕዳርን ልዕልና ሕግን ብዘይምስፋኑ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዘስዕቦ ዘሎ ደረት ኣልቦ ፀገማት ኣብ ዝሕዚ እዋን ክሳብ ናይ ምንባርን ዘይምንባርን ሕቶ ኣስዒቡ ከምዘሎ’ውን ይፍለጥ።
   ህዝብና ኣብ ገዛእ ሃገሩ ከይነብር፤ ተማሂሩ ከይምዕብልን ሰብአውን ዴሞክራስያውን መሰሉ ተኸቢርሉ ነፃ ኮይኑ ከይንቀሳቐስን፤ ወግሐ ፀብሓ ካብ ሃገሩ እናተሰደደ ዓዲ ጓናከርተት ክብልን ክዋረድን ዘገድዶ ዘሎ ቀንዲ ምኽንያት መረበቱ ፀሊኡ ዘይኮነስ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ክግለፅ ዝተገልፀ መሰሉ ተሓሊይሉ ኣብ ገዛእ ሃገሩ ልዕልና ሕጊ ተኸቢሩ ብማዕረ ተጠቃምነት ክራጋገፀሉ ብዘይ ምኽኣልን ጥራይ’ዩ።
   ስርዓት ኢህወደግ ብፍላይ በትረ ስልጣን ካብ ዝጨበጠሉ እዋን ኣትሒዙ  ኩሎም ዴሞክራሲያውን ሰብኣውን መሰላት  ሳላ ኣማራርሕኡ ከም ዝተራጋገፁ ገይሩ እኳ ይገልፆ እንተሃለወ እቲ ኣብ ባይታ ዝርአ ዘሎ ሓቂ ግን ካብቲ ዝበሃል ኣዝዩ ዝተፈለየ’ዩ። ነዚ ዓብይ ኣርእስቲ ከመዛተይ ተገይሩ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ኣብ መንጎ ተቓወምትን መራሕቲ ኢ.ህ.ወ.ደ.ግን ዝተኻየደ ክትዕ ኩሉ ህዝቢ ከም ዝተኸታተሎ ብፍላይ በቲ ብሰበ ስልጣን እቲ ስርዓት ዝተመለሰ መልስን ዝተወሃበ ርኢቶን ድማ ኣዝዩ ዘሕፍር ምንባሩ ዘካትዕ አይኮነን።
-          ህዝቢ ሎሚ ዳርጋ ኣብ ኩለን ከተማታት ዝስተ ፅሩይ ማይ፤ ኣገልግሎት ሓይሊ መብራህቲ፤ ሓጋይን ክረምትን ዘራኽቡ መንገድታትን ካልኦት መሰረታውያን ነገራትን ስለ ዘይተማልአሉ ብቐፃሊ ጥርዓኑ ኣብ ምስማዕ ይርከብ።
-           ኣብ ሃገርና ስርዓት ኢህወደግ ብዝፈጠሮ ናይ ዓሌትን ሃይማንትን ኣፈላላይ ህዝቢ ነንባዕሉ ዝጋጨወሉን ዘይተኣማመነሉን ኩነታት ካብ ዝፍጠር ዓመታት ኣቁፂሩ ይርከብ።
-          ሎሚ ኣብ ዝኾነ ኣብያተ ፅሕፈት ዝርከቡ ሰበ ስልጣናት ነቲ ስርዓት ብዘለዎም ቅርበት እምበር ብብቕዓቶም ተመዚኖም ስለዘይምደቡ ተሓታትነት፤ ግልፅነትን ፍትሓውነት ዘለዎ ኣሰራርሓ ስለዘየለ ህዝቢ ኣብየት ኣብ ምባል ይርከብ።
-          ሎሚ ኣብ ዓለምና ካብ ዝርከባ ሃገራት  ኢትዮጵያ ብግዕዝይና ካብ ዝፍለጣ ሃገራት ካብ መወዳእታ ኣብ መበል ሻድሻይ ተሰሪዓ ህዝባ ብግበረለይ ክገብረልካን ግዕዙይ ኣሰራርሓን እናተሳቐየ ይርከብ፣ እዚኦምን ካልኦት ሓያሎ ፀገማትን ኣብ ሃገርና ተስፋሕፊሖም ኣብ ዘለውሉ መድረኽ በየናይ መለክዒ እዩ ኢህወደግ ኣብዛ ሃገር ሰናይ ምምሕዳርን ልዕልና ሕግን እረጋጊፀ’የ እናበለ ክዛረብ ዝኽእል?
     ፈተወ ፀልአ እዚ ስርዓት’ዚ ህዝቢ ንምድንጋር ኢሉ ኣብ መዳይ ሰናይ ምምሕዳር ይኹን ኣብ ምስፋን ልዕልነት ሕጊ ፅቡቕ ስዳሮ ከምዝኸደ ኣምሲሉ እኳ እንተገለፀ-
-       ኣብ ኣከፋፍላ ግብሪ ፍትሃዊ ከም ዝኮነ
-       ኣብ ምምርቓሕ በጀትን ቁፅፅርን ትሕቲ ዜሮ ምዃኑ፤
-       ክሳብ ታሕቲ ብምውራድ ምስ ህዝቢ ሓቢርካ ዝካየድ ምምኽኻርን ምርድዳእን ከምዘየለ፤
-       ከባቢታት ብማዕረ ኣብ ምልማዕን ፍትሓዊ ብዝኾነ መንገዲ ጠመተ ኣብ ምግባር ዝደኸመ ምዃኑ፤
-       ቁልጥፍ ውሳነ ዘይምሃብን ብወገንነትን ኣድልዎን ዝፍፀሙ ተግባራት ኣዝዮም ዝተጋፍሑ ምዃኖም’ምበር ከምቲ ስርዓት ኢወደግ ዝብሎን ንሃልኪ ፖለቲካዊ ኢሉ ዘካይዶ ዘሎ ጎስጓስ ከምዘይኮነን ብሓፈሻ ኩነታት ሃገርና ካብ ህዝቢ ኢትዮጵያን ማሕበረስብ ዓለምን ዝተኸወለ ከም ዘይኮነ ክፍለጥ ይግባእ።