ካብ’ታ ከተማ ኣብዚ ሰሙን ዝበፀሓና ሓበሬታ ከም ዘረድኦ። ኣብ ስልጣን ዝርከብ
መንግስቲ ስርዓት ወያነ ኢህወዴግ ዘርግሕዎ ዝርከብ መሓውር ምሕዳር ዘይሓላፍነታዊ ብምዃኑ። ኣብ ልዕሊ ዉፅዕ ህዝቢ ዘብፅሖ ዘሎ
ሰፍ ዘይብል በደል ቆፂርካ ዝዉዳእ ኣኮነን። ነዚ ዘረደኣና ድማ ብርክት ዝበሉ ነበርቲ ከተማ ሽረ-እንዳስላሰ 20 ብ20 እናተበሃለ
ዝፍለጥ ናይ ገጠር መሬት ብግልፂ ዓዲጎም ገዛ ሰርሖም ንዓመታት ሰብ ዋና ኮይኖም ክጥቀምሉ ዝፀንሑ። ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣፍርሱ ዝብል መምርሒ ዋላ እኳ እተወረዶም ህዝቢ ግና ኣይንቕበሎን ከም ዝበለ ንምፍላጥ
ተኻኢሉ፣
በቲ ዝወረደ መምርሒ ተቖጢዑ ዝርከብ ህዝቢ ከተማ ሽረ። ሰብ ዘለዎ ትሕዝቶ ፀንቂቑ ገዛ እናሰርሐ ይኹን ተሰርሑ
ንዓመታት ሕጋዊ ሰብ ዋና ኮይኖም ነቲ ዝወረደ መምርሒ ተቐቢሉ ዘፍርስ
ገዝኡ ከም ዘየልን። ምናልባት ነዚ ክፍፅም ዝኽእል ሓይሊ እንተሎ ይምፃእ ኣብቲ ባይታ ክንራኸብ ብምባል ህዝቢ ተቓዉምኡ ብሓደ ድምፂ
ስለ ዘስመዐ። በዚ ዝተደናገፁ ሰበልጣን መንግስቲ ኣብ ዓብዪ ወጥሪ ወዲቖም ከም ዝርከቡ ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣
ኣብ ዉሽጢ እዚ ወርሒ ኣብ ስልጣን ዘሎ ስርዓት ወያነ ኢህወዴግ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ፉሉይ ከባቢ ንፋስ ስልክ እናተበሃለ
ኣብ ዝፅዋዕ ብኣሻሓት ዝቑፀሩ ህፃናትን ብዕድመ ዝደፍኡን ሽማገለታት
ዝርከብዎም መራሕቲ ስድራ ካብ መንበሪኦም ኣፈናቕሉ ኣብ በረኻ ብምድርባዮም ከቢድ ተቓዉሞ ከም ዘጋጠሞም። ከምኡ እዉን ኣብ ዝሓለፈ
ዓመት ብርክት ዝበሉ ነበርቲ ከተማ መቐለ ካብ መረበቶም ኣፈናቒሉ ከም ዘባረሮም ዝዝከር እዩ፣