Monday, August 25, 2014

ኣብ ዞባ ማእኽል ትግራይ ወረዳ ቆላ ተምቤን ነበርቲ ጣብያ መላቕመ ካብቲ ዝነብሩሉ መረበቶም ብኣማሓደርቲ እቲ ከባቢ ንኽፈናቐሉ ይግደዱ ምህላዎም ካብቲ ከባቢ ዝበፅሓና ሓበሬታ ገሊፁ።



     እዞም ነበርቲ ወረዳ ቆላ ተምቤን ጣብያ መላቕመ  ብሕጋዊ መንገዲ መሬት ተዓዲልዎም ንዓመታት ክነብርሉ  ጣብያ ንነዊሕ ዓመታት ብምእራይ ወርቅን  ብሕርሻን ክመሓደርሉ ዝፀንሑ መረበቶም ሓዲጎም ክፈናቐሉ ኣመሓደርቲ ናይቲ ከባቢ ትእዛዝ ኣውሪዶምሎም’ኳ እንተሃለዉ እቶም ነበርቲ  ሰለ ዘይተቐበልዎ በዚ ዝተልዓለ  ኣብ መንጎ ህዝቢ እቲ ከባብን ምምሕዳርን ጎንፂ ተፈጢሩ ከም ዘሎ ምንጭታትና ካብቲ ከባቢ  ዝለኣኽዎ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።

     እዚ ከምዚ እሉ እንከሎ ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ከተማ ሸራሮ ኣጋጢሙ ዘሎ ሕፅረት ፅሩይ ዝስተ ማይ ነበርቲ እታ ከተማ ንከቢድ ፀገም ምቅልዖም ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ እቲ ካብ ሩሑቕ ከባብታት ተጓዒዞም ዘምፅእዎ ማይ እንተኾነ’ዉን ፅሬቱ ዘይተሓለወ  ስለ ዝኾነ እቲ ነባራይ ህዝቢ ንግዳይ ዝተፈላለዩ ሕማም ይኸውን ምህላዉ ብተዳጋጋሚ ክንገልፅ ምፅናሕና ይዝከር።