Tuesday, August 5, 2014

ኣብ ክልል ዓፋር ብ21 ሓምለ 2006 ዓ/ም ካብ ከተማ ኣሳይታ ናብ ሰመራ ሰባት ፅዒና ትጎዓዝ ዝነበረት መኪና መንነቶም ብዘይተፈልጡ ዕጡቛት ተወቒዓ ብምግልባጣ ኣብኣ ተሳፊሮም ዝነበሩ 10 ሰባት ህይወቶም ከም ዝሰኣኑ ተፈሊጡ፣፣



     ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና ነዚ ተግባር እዚ ዝፈፀሙ ኣካላት ብዕሊ ዝፍለጡ‘ኳ እንተዘይኮኑ እቶም ቅድም ኢሎም ተቓወምቲ ዝነበሩ‘ሞ ብመንግስቲ ሕቶኹምን ድሌትኩምን ክንምልሰልኩም ኢና እተው ተባሂሎም ምስ ኣተው ሕቶኦም ዘይተመለሰሎም ሰባት ዝገበርዎ ክኸውን ይኽእል እዩ ዝብል ጥርጣረ ኣብ’ቲ ከባቢ ሰፊኑ ከም ዘሎ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንተሎ ኣመሓደርትን ኣካልት ፀጥታን ናይ’ቲ ከባቢ ባዕሎም ንባዕሎም ሓያል ምስሕሓብን ዘይምስምማዕን ስለ ዘለዎም ካብ ውሽጦም ዝተፈፀመ ተግባር ክኸውን ከም ዝኽእል‘ውን ተወሳኺ ጥርጣረታት ከም ዘሎ እቲ ዝበፀሐና ሓበሬታ የምልክት፣፣