Tuesday, August 5, 2014

ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ወረዳ ራያ-ዓዘቦ ዝርከቡ ኣማሓደርቲ ስርዓት ህወሓት ኢህወዴግ ኣብ መንጎ ኣመንቲ እስልምና ኣፈላላይ እናፈጠሩ ሕድሕዶም የናቑትዎም ከም ዘለዉ ተፈሊጡ፣፣



      እዞም ኣብ  ወረዳ ራያ ዓዘቦ  ከተማ ኣላማጣ፤  ኩኩፍቶ፤ ከምኡ‘ውን   ከባብታት ጡሙጋን ዋጃን ዝርከቡ ኣማሓደርቲ ስርዓት ህወሓት ኢህወዴግ  ኣብታ ወረዳ ንዝርከቡ ኣመንቲ እስልምና ዝኾኑ ዜጋታትና ኣሸበርቲ፤ ዋሃብያ፤ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ሙስሊም መንግስቲ ንምትካል ዝፅዕሩ እዮም፤ ዝብሉን ካልኦት ዝተፈላልዩ ኣሽማት እናጠመቑን ኣብ መንጎኦም ናይ ሃይማኖት ኣፈላላይ ብምፍጣር የጋጭውዎም ከም ዘለዉ ኣብ’ቲ ከባቢ ዝርከቡ ምንጭታትና ካብ ዝላኣኽዎ ሓበሬታ ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣፣

     እቲ ሓበሬታ ወሲኹ እዞም ኣማሓደርቲ ወራዳ ራያ ዓዘቦ  ኣብ ልዕሊ ኣመንቲ እስልምና ዝፍፅምዎ ዘለዉ ግፍዕታት ካብ እዋን ናብ እዋን እናኸፍአ ይኸይድ ምህላዉ ድሕሪ ምግላፅ  በዚ ዝተማረሩ ኣመንቲ እስልምና ኣብ ልዕሊ እቲ ስርዓት ከይዕምፁ ብምስጋእ ካብ 5 ሓምለ 2006 ዓ/ም ጀሚሮም ሕድ ሕዶም ኣብ ማሕበራዊ  ንጥፈታት ከይተሓጋገዙ። ከምኡ‘ውን ኣብ  መርዓ፤ዒልሚ፤ ዱዓን እድራትን ከይተሓዋወሱ ይኽልክልዎም ከም ዘለዉ ተፈሊጡ፣፣

   እዞም በቲ ስርዓት ግፍዕታት ዝወርዶም ዘሎ ኣመንቲ እስልምና ዝኾኑ ወገናትና  ብወገኖም “ ናይ  ሃይማኖት ነፃነት ይከበር ዝብል ሕቶ ስለ ዘልዐልና  ጥራሕ ከም ፀላእቲ ንጥመትን ምስቲ ሕብረተሰብ ሓቢርና ማሕበራዊ ኣገልግሎት ከይንረክብን በቶም ኣማሓደርቲ ንፈራራሕ ኣለና” ክብሉ ድሕሪ ምግላፅ ነቶም ነዚ ፈላላይ ዝኾነ ገበናት ዝፍፅሙ ዘለዉ ልኡኻት ናይቲ ስርዓት ድማ ንመታለሊ ዝኽውን ናይ ህወሓትን ናይ ኢትዮጵያ ባንዴራን ይሽልምዎም ከም ዘለዉ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ፣፣