Wednesday, August 20, 2014

ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ክልል ትግራይ ካብ 25 ሓምለ ክሳብ 8 ነሓሰ 2006 ዓ/ም ናይ ኩለን ክፍለ ከተማታት ዞባ መቐለ ወኪላት ኣብ ዝተረኸብሉ ብዛዕባ ፀጥታ ዝምልከት ስግኣት ዝወለዶ ኣኼባታት ከም ዘካየዱ ተፈሊጡ፣፣



  ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና፣ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ህወሓት እቲ ካብ 25 ሓምለ ክሳብ 8 ነሓሰ 2006 ዓ/ም  ንኲሓ ሓዊሱ ካብ ሽዱሽቲአን ክፍለ ከተማታት ተወኪሎም ንዝመፁ ታሕተዎት ኣመራርሓ ህወሓትን ኣባላት ጉጅለ ልምዓትን ዝኾኑ ካድረታቶም ኣኼባ ከካይዱሎም ከም ዝቐነዩን፣ ናይቲ ኣኼባ ዛዕባ ድማ ጉዳይ ናይ ፖለቲካ ተቓወምቲ ውድባትን ሰናይ ምምሕዳርን ዝምልከት ከም ዝኾነ  ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣፣

   ዝርዝር ኣጀንዳ ናይ’ቲ ኣብ ኣደራሽ ክፍለ ከተማ ዓይደር ንክልተ ሰሙናት ክካየድ ዝቐነየ ኣኼባ ኣብተን ክፍለ ከተማታት ዘለው ኣባላት ኣመራርሓ ፀጥታ ከተማ ብጥብቂ ክሕልው ከም ዘለዎምን ንዘይፍለጥ ሰብ ገዛ ከይካርዩ ከም ዘይብሎምን፣ ብተወሳኺ ድማ ንዘይፍለጥ ሰብ ብቐጥታ ብምሓዝ ናብ ቀበሌ ኣምፅእዎም ዝብሉን ካልኦትን እንትኾኑ እዚ ድማ እቲ ስርዓት ክንደየና ኣብ ጭንቀትን ወጥርን ተፀሚዱ ከምዘሎ ዘማላኽት ከም ዝኾነ ኣብቲ ኣኼባ ክሳተፉ ዝቐንዩ ምንጭታትና ገሊፆም፣፣ እዚ ከምዚ እሉ እንከሎ ኣብቲ ኣኼባ ዝተሳተፉ ኣባላትን ካድረታትን ህወሓት-ማሌሊት 1005 ዝኣኽሉ ከም ዝኾኑን፣ ካብ ቀረባ ንዝመፁ ኣባላት 200 ብር ኣበል እንትኽፈሎም፤ ካብ ርሑቕ ክፍለ ከተማ ንዝመፁ ድማ 600 ብር ኣበል ከም ዝተውሃቦም ምንጭታትና ወሲኾም ሓቢሮም፣፣