ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና፣ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ምዕራብ ሽዋ፤ ወረዳ ዳርጌ፣ ስእነት
ሰናይ ምምሕዳር ብዝፈጠሮም ሕፅረት መሰረት ልምዓት ብሰፊሑ ከም ዘሎ ድሕሪ ምግላፅ፣ ብፍላይ ድማ ኣብ ዕለታዊ ህይወት ዜጋታት ወሰንቲ
ዝኾኑ፣ ከም ማይ፤ መብራህቲ፤ መስመር ፅርጊያን ኬላ ጥዕናን ዝኣምሰሉ ኣብቲ ከባቢ ስለ ዘይተዘርግሑ ነባሪ ህዝቢ ፀገማቱ ብሰላማዊ ሰልፊ ንምግላፅ። ንዝመፅእ ሰንበት 18
ነሓሰ 2006 ዓ.ም ንምክያድ ምድላዋት የካይድ ከም ዘሎ ዝፈለጡ ኣመሓደርቲ ካልኦት ከባብታት ንኸይስዕብዎም ኔት-ዎርክ ዓፅየሞ
ከም ዘለዉ ንምፍላጥ ተኻኢሉ ኣሎ፣፣
ምንጭታትና ወሲኾም ከም ዝገለፅዎ መላእ ሕብረተሰብ እቲ ከባቢ ካብኡ
ዘድሊ ዘበለ ከም ግብሪን ካልኦት ስራሕትን ይፍፅም እኳ እንተኾነ፣ ብግዕዝይና ዝጠልቀዩ ኣመሓደርቲ እቲ ስርዓት ሰናይ ምምሕዳር
ዝበሃል ኣጥፊኦም ንልምዓት ተባሂሉ ዝስላዕ ገንዘብ፣ ኣብ ዉልቃዊ ረብሕኦም እናዉዓሉ ኣብቲ ከባቢ ቀፃሊ ንዝለዓሉ ሕቶታት
መሰረተ ልምዓት ክምልሱ ብዘይምኽኣሎ ዝተቖጠዐ ነባሪ ህዝቢ፣ ኣብ ልዕሊ እቲ ስርዓት ናይ ተቓዉሞ ሰላማዊ ሰልፊ ንምክያድ
ብምሕሳቡ ንዕኡ ንምትዕንቓፍ ድማ ካድረታትን ድህንነትን እቲ ስርዓት ንኣስታት ሓደ ሰሙን ዝኣክል ኔት-ዎርክ ከምዘዓፀውዎ
ተፈሊጡ፣፣