Sunday, August 17, 2014

ኣብዚ ቅንያት ንዓማፂ ስርዓት ወያነ ኢህወዴግ ዝተቓወሙ መናእሰይ ናብ ክፍሊ ታዕሊም ዴምህት ተፀንቢሮም።



ካብቶም ናብ ዴምህት ዝተፀንበሩ መናእሰይ ናይ ገሊኦም ኣስማት ንምጥቃስ፦
1.  ዜናዊ ኪዳነ ተስፋይ
2.  ተስፋኣለም ታደሰ ገብረሂወት ክልቲኦም ካብ ዞባ ሰሜን ምዕራብ  ወረዳ ከተማ ሸራሮ ጣብያ ሙሴ
3.  ወ/ደር ሮቤል ገብረመስቀል መለስ ካብ ምዕራብ እዝ መበል 12 ክ/ጦር 5 ሬጅመንት 5 ሓይሊ 1 ጋንታ 3 መስርዕ
4.  ሙለይ ሓድጉ ወልዱ ዞባ ማእከል ወረዳ ጣንቋ ኣበርገለ ጣብያ ሓድሽ ዓዲ
5.  ኣስመላሽ ኣብረሃለይ ኪዳነ ካብ ዞባ ምዕራብ ወረዳ ሰቲት-ሑመራ ቀበሌ 02
6.  ሃይለ ተሰማ ወለመድህን ካብ ዞባ ምብራቕ ወረዳ ውቕሮ ክልተ ኣውላዕሎ ጣብያ ማይ ዳዕሮ ዝርከብዎም እንትኾኑ።
   ወተሃደር ሮቤል ገብረመስቀል ብዛዕባ ህልው ኩነታት ሰራዊት ወያነ ኢህወዴግ ኣመልኪቱ ንሬድዮ ዴምህትን ተሌቭዥን መብፅዓ ለካቲትን  ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ከም ዘመላኽቶ፦

  ወተሃደር እቲ ስርዓት ወርሓዊ ዝወሃቦ ደመወዝ ውሑድ ብምዃኑ ምስቲ ዘሎ ናህሪ ዋጋታት ተወሲኽዎ ኣብ ልዕሊኡ ድማ እቲ ስርዓት ባዕሉ ንዝተፈላለየ መዋጮታት ስለ ዝቖራርፆ ኣብ ከቢድ ፀገም ከም ዘለው ብምግላፅ፣

ብተወሳኺ ድማ ናይ 7 ዓመት ኣገልግሎት ወዲኡ ኣብ ግዚኡ ዘይምስዳድ፤ ኣብ ውሽጢ እቲ ሰራዊት ብበዝሒ ናይ ብሄር ኣፈላላይ ከም ዝርአ፤ ኣብ ዝግበሩ ኣኼባታት ይእመነሉ ኣይእመነሉ ብዘየገድስ ንመራሕቲ ዘይምድጋፍን ዝተርኣየካ ነገር ንመራሕቲ ምንቃፍን ከም ዘይፍቀድ ንዝነቐፉ ድማ ኣሸባሪን ተሓባባሪ ፀረ ሰላምን ዝብል ኣስማት እናጠመቑ ናብ ቤት ማእሰርቲ ከም ዝዳጉንዎም ኣረዲኡ።
  
  ወተሃደር ሮቤል ገብረመስቀል ኣስዒቡ ንባዕሉ ምስ መራሕቲ ስለ ዝተበኣሰ ንሓደ ዓመትን ሰለስተ ወርሕን ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ዞባ መተከል ወረዳ ፓዊ ተኣሲሩ ከም ዝነበረ ድሕሪ ምግላፅ ኣባላት ስራዊት ምዕራብ እዝ ብርከት ዝበሉ መኮነናት ዝርከብዎም ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ወተሃደራት ተኣሲሮም ከምዘለው ገሊፁ።
   ካብ’ቶም ተኣሲሮም ኣለው ዝበሎም ወተሃደራት ንገሊኦም እንትጠቅስ፦
1.       ኮሎኔል ገብረመድህን ገብረመስቀል
2.       ሌ/ኮሎኔል እስቲፋኖስ
3.       ሻለቃ ኣብረሃ
4.       ሻንበል ግደይ ሓድሽ
5.       ሓለቓ ምኢቲ መሓመድ ዑመር
6.       ሓለቓ ሓምሳ ዘሪሁን ሽናሞ
7.       ሓለቓ ዓሰርተ ሃፍቶም ገብረስላሴ
8.       ወ/ደር ሃፍቴ መንገሻ ዝተበሃሉ ዝርከብዎም ብርክት ዝበሉ ወተሃደራት ተኣሲሮም ከምዝርከቡ ሓቢሩ።