ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና ኣብ ዙርያ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዘለዋ ክፍለ
ከተማታት ዝርከቡ ነጋዶ ናይ ተቓወምቲ ዉድባት ልእኹቶ ተቐቢልኩም ብምትግባር ዕዳጋ ከይረጋጋእ ምእንቲ ኣብ ሸቐጣት ወሰኽ ዋጋ
ብምግባር መንንግስቲ ንዝገበሮ ወሰኽ ደሞዝ ሰራሕተኛታት መበገሲ ጌርኩም ኣንፃር መንግስቲ ተቓውሞ ክልዓል ትገብሩ ኣለኹም
ብዝብል ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ምኽንያት ናይ ብዙሓት ነጋዶ ትካላት በቲ ስርዓት ከም ዝተዓፀዉ ተፈሊጡ።
በዝሒ
ናይቶም ዝተዓሸጉ ድኳናት ሓደሽሕን ሓሙሽተ ሚኢትን (1500)
እንትኾኑ እዚ ተግባር እዚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ኩለን ከተማታት ሃገርና ብዝኸፍአ መልክዑ ይቕፅል ከም ዘሎ
ምንጭታትና ኣረዲኦም።