Wednesday, August 20, 2014

ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ኩለን ክፍለ ከተማታት ዝነብር ህዝብና ፍትሓውነት ብዘይብሉ ኣተኣኻኽባ ግብሪ የንፀረፅር ከም ዘሎ፣ ምንጭታትና ካብታ ከተማ ሓቢሮም፣፣



ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና ኣብ ሽድሽትኤን ክፍለ ከተማታት መቐለ ዝርከብ ነባሪ ህዝቢ፣ ፍትሓውነት ብዘይብሉ ኣተኣኻኽባ ግብሪ እቲ ስርዓት ኣብ ፀገም ብምዉዳቑ፣ ተሓባቢሩ ናብ ምምሕዳር ግብርን እቶትን ኣይተ ገብረገርግስ ገብረማሪያም ብምኻድ፣ “ንሕና  ክንድዚ ዝኣክል ክንከፍል ዓቕሚ የብልናን” ብምባል ጥርዓኖም ኣብ ዘቅረብሉ እዋን፣  መንግስታዊ ግብሪ ናይ ምክፋል ግዴታኹም ምስ ኣማላእኹም ክትጠርዑ ትኽእሉ ኢኹም፣ ሕዚ ግን ስራሕ ሰለ ዘለኒ ክሰምዓኩም ኣይክእልን ብምባል ከም ዘባረሮም ተፈሊጡ፣፣

እቶም ወገናት ብግዲኦም ነቲ  ዝርካበን ሸቐጣ ሸቐጣትና  ውረስዎን እምበር ሎሚ ኮነ ፅባሕ ኣይንኸፍልን፣ እንተደሊኹም ድማ ኣለናልኩም እሰሩና ከም ዝበልዎም ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣፣