ኣብ ዞባ ብሄረሰብ ኣዊ ዝርከቡ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን ናብ ብሄርና ካብ
ካልእ ብሄር ዝመፁ ክኣትውና የብሎምን ብምባል ብዘመድ ኣዝማድ ኮይኖም ስልጣን ብምቁፅፃር ከም ቃሕ ዝበሎም ንብረት ህዝብን ሃገርን የጠፋፍኡ ምህላዎም ዝተዓዘበ
ነባሪ ህዝቢ ተቓውሞኡ ይገልፅ ከም ዘሎ እቲ ሓበሬታ ኣረዲኡ።
ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና ኣብ ቤት ምኽሪ ምምሕዳር ናይቲ ዞባ 3ተ ፅምዲ ሰብኣይን ሰበይትን ነቲ ሓላፍነት ብምሓዝ
ናይ ውልቆም ሃፍቲ ኣብ ምኽዕባት’ምበር ንህዝቢ ኣገልግሎት ይህቡ ከም ዘየለዉን ብተወሳኺ ድማ እዞም ሰበ ስልጣን ኣብ ወረዳታት
ኣንከሻን ጓጉሳን ኣዝማዶም ኣቐሚጦም ከም ዘለዉን ንምፍላጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
እዞም ብዘመድ ኣዝማድ ስልጣን ዝተቖፃፀሩ ነቲ ዞባ ዘምሓድሩ ጉጅለ ልዕሊ
2.5 ሚልዮን ብር ካብ ናይ ህዝቢ ሃፍቲ ዘሚቶም ብምውሳድ ልዕሊ 1200 ሄክታር ናይ ሕርሻ መሬት ድማ ብሽም
ኢንቨስተራት
ንባዕሎምን
ንኣዝማዶምን ይጥቀሙሉ ከም ዘለው እሙናት ምንጭታትና ካብ’ቲ ቦታ ኣፍሊጦም።