Wednesday, August 20, 2014

ኣብ ከተማታት ማይ ካድራ፤ ኣደባይን ካልኦት ከባቢታትን ዝርከቡ መዓልታዊ ሰራሕተኛታት ብፖሊስ እናተገደዱ ወልቃይት ናብ ዝርከብ ቃንጫ ሽኮር ይወሰዱ ከም ዘለዉ ተገሊፁ።



     እዞም ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ከተማታት ማይ ካድራ፤ ኣደባይን ካልኦት ከተማታት ኣብ መዓልታዊ ስራሕ ተዋፊሮም ህይወቶም ክመርሑ ዝፀንሑ ወገናትና፣ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብቲ ዞባ ብዝርከቡ ፖሊስ ኣብ ወልቃይት ናብ ዝርከብ ቃንጫ ሽኮር ብሓይሊ እናተወስዱ ጉልበቶም ይምዝመዙ ምህላዎም ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ፣ኣይንኸይድን ንዝበሉ ድማ መንነት ወረቐቶም እናተሓደጉ ናብ ትውልዲ ዓዶም ክስጎጉ ምዃኖም  መጠንቐቕታ ከም ዝተውሃቦም ተፈሊጡ፣፣

     እዞም ወገናት ቅድም ክብል ብልእዃት እቲ ስርዓት ኣብ ወልቃይት ኣብ ዝርከብ ሰሊጥ ክፅህዩ ዝውሰዶም ሰራሕተኛታት ናይ ረሃፆም ዋጋ ስለ ዘይተኸፍሎም  ንጥሜት ብምቅልዖም ፀገሞም ብተቓውሞ ገሊፆም  ከም ዝነበሩ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ፣ ሕዚ ድማ ናቱ መቐፀልታ ዳግማይ ብናፃ ጉልበቶም ንምምዝማዝ ዝግበር ዘሎ እኩይ ተግባር ምዃኑ እቶም ዜጋታት መረረቶም ኣብ ምግላፅ ከም ዝርከቡ እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ወሲኹ የረድእ፣፣