Saturday, August 30, 2014

ሰማእታትና ንዘለአለም እናተዘከሩ ክነብሩ’ዮም!



ቃልሲ ህዝቢ ኢትዮጵያ መበገሲኡ ውፅዕ ህዝቢ ንዘበናት አብ ልዕሊኡ ዝበፅሕ ዝነበረ መሪር ደርባውን ብሄራውን መግዛእታዊ ጭቆና ሙዃኑ ብንፁር ይፍለጥ’ዩ። በዚ መሰረት ድማ ነቲ አብ ልዕሊኡ ዝበፅሕ ዝነበረ መጠኑ ዝሓለፎ ግፍዕን በደልን  ንምእላይ ክብል ክቡር መስዋእትነት  ከፊሉ’ዩ።
    እዚ ቅድሚ ነዊሕ ዓመታት ኩሉ ይትረፈኒ ኢሉ ካብ ዝተፈላለየ ማሕበራዊ ናብርኡ ተፈናቒሉ ቃልሲ ዝጀመረ መንእሰይ ሓይሊ  ህይወቱ ከፊሉ ዘንት ዕለት አብ ታሪኽ ክፅዋዕ፤ ንዘለዎ ዓቕምን ክእለትን ተጠቒሙ እጃሙ ከበርክት፤ አብ ዝተሰለፈሉ ህዝባዊ ዕላማ ብኽብሪ ክሓልፍን፤ ብደሙ ዘይሃስስ ወርቃዊ ታሪኽ ክፅሕፍን  ጥቅሚ ህዝቡ ንምርግጋፅን ብምባል ጥራይ’ዩ።
    እንተኾነ አብቲ ቃልሲ ተሰሊፉ ተወዳዳሪ ዘይብሉ ታሪኻዊ ዕማም ፈፂሙ ናብ ዓወት ምስ በፅሐ ግን ወላኳ ሂወቱ ሒዙ ናብቲ ናይ መወዳእታ ሽቶ ክበፅሕ እየ ዝብል ትፅቢት እንተዘይነበሮ አጋጣሚ ካብ ብሱል ጥረ ኮይኖም ምስ ተረፉ ግን ነቶም ህሉዋት ዝግባእ ክብሪ ነቶም ስውአት ድማ ንቡር ደበስን ዝኽርን አብ ክንዲ ምግባር ብዘሕዝንን ዘገርምን ኩነታት ተጓሒፎም ክስጎጉን ደሞም ደመ-ከልቢ ኮይኖም ክቐርዩን ተፈሪዶም’ዮም።
    ክፀሓፍን ክንበብን ተደልዩ ዘሎ ዋና ቁምነገር ግን ነዚ በተደጋጋምን በብእዋኑ ክዝረበሉ ዝፀንሐ ጉዳይ ንምድጋም ዘይኮነስ ነቲ አብዚ ሎሚ ቕነ ንቐዳማይ ሚኒስተር ነበር መለስ ዜናዊ ብዝምልከት ንመበል 2 ዓመት አብ ዝተኻየደ ዝኽሪ አመልኪትና ገለ ነገር ንባል’ዩ።
    ሃገርና ኢትዮጵያ ብዙሓት ነዛ ሃገር ክመርሑን ክልውጡን ዝኽእሉ ሰብ ምሉእ ዓቕሚ ተቓለስቲ ዝኸፈለት፤ ብሰንኪ በብግዚኡ ናብ ስልጣን ዝወፁ ፀረ ህዝቢ ገዛእቲ ሃገሮም ራሕሪሖም ናብ ፎቖዶ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዝተሰደዱ ሊቓውንቲ፤ ካውኡ ሓሊፉ’ውን አብ ውሽጢ ሃገር ርእሶም አድኒኖም ንግዜ ብስቕታ ዝሓልፍዎ ዘለዉ ብቑዓትን በላሕትን ዜጋታት ምህላዎም ዝፍለጥ’ኳ እንተኾነ ሰበ ስልጣን ወያነ ኢህወደግ ግን ታሪኽ መስገደል ጀጋኑ ብዝድምስስ መልክዑ። ናይ ሐደ ውልቀ ሰብ ስራሕን ዝነበሮ እጃምን እናልዓልካ ምንብድባድ አዝዩ ዘሕዝን ተግባር’ዩ።         
    አብዚ ሕዚ እዋን አብ ሃገርና አብ ትሕቲ ስርዓት ወያነ ኢህወዴግ ኮይኖም ዝሳለጡ ዘለው ጥቅሚ ህዝቢ ዘየረጋግፁ ደቀቕቲ  ንጥፈታት ብናይ ህዝብና መስዋእትነት ዝመፀ’ዩ ዝብል አተሓሳስባ ክህሉ አብ ክንዲ ምግባር ኩሎም ፍፃመታት ብሓደ ውልቀሰብ ከም ዝመፀ ገይርካ ምቕራብ ነቶም ጀግንነት ፈፂሞም ዝሓለፉ ሰብ ቕያ ስውኣት ተጋደልቲ ታሪኾም ካብ ምርኻስ ሓሊፉ። ካሊእ ትርጉም ከወሃቦ አይኽእልን።
    ሰበ-ስልጣን ወያነ ኢህወደግ አብታ ሃገር ይስርሑ አለው ንዝብልዎም ገለ ገለ ትሕተ ቅርፅታትን ካልኦት ምንቅስቓስን መለስ ብዝሓንፀፆም ፖሊስን ስትራተጅን ዝመፁ’ዮም ኢሎም ምዝራቦም አብ ውሽጢ ገዛኢ ኢህወዴግ ብዘይካ መለስ ካሊእ አእምሮን ብልሕን ዝወነነ መሪሕ አካል ከም ዘይነበረን ሕዝውን ከም ዘየለን ዘርእየና ምዃኑን ድሕሪ ሞት መለስ  እንልውጦ ኣካይዳን ፖለቲካዊ መስመርን የለን ኢሎም በቲ መራሒኦም ዝሓንፀፆን ገዲፍሎም ዝከደ ፀረ ህዝቢ አካይዳ ክጓዓዙ ምምራፆምን ካውኡ ንላዕሊ ክጥምትሉ ዝኽእሉ ህዝባዊ አረአእያ ከም ዘይብሎምን አብ ህልም ዝበለ ሞግዚታዊ አተሓሳስባ ምጥሓሎምን ዘርእየካ’ዩ።