Tuesday, September 2, 2014

ኣብ ከተማ ሽሬ እንዳስላሴ ዝርከብ ፖሊስ ጣብያ ክሳቐዩ ዝፀንሑ ሰለስተ ሰባት ብ6 ነሓሰ 2006 ዓ/ም ካብቲ ቤት ማእሰርቲ ከም ዘምለጡ ተፈሊጡ።



 ምንጭታትና ካብቲ ከተማ ዝለኣኹልና ሓበሬታ ከም ዘመላኽቶ ኣብ ከተማ ሽሬ-እንዳስላሴ ዝርከብ ፖሊስ ጣብያ መእሰሪኦም ብዘይተፈልጠ ምኽንያት ክሳቐዩ ዝፀንሑ ሰለስተ ሰባት ብለይቲ ማዕፆ ሰይሮም ካብቲ ቤት ማእሰርቲ ከም ዘምለጡ ተፈሊጡ።

ብምምላጥ ናይቶም እሱራት ዝነደሩ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ፖሊስ ድማ ኮነ ኢልኩም ኢኹም ክሃድሙ ጌርኩም ብዝብል ምኽንያት ካብ ኣባላቶም ኣርባዕተ ሰባት ኣሲሮምዎም ከም ዘለው ተገሊፁ።
  ዝርዝር ናይቶም ዝተኣሰሩ ኣባላት ፖሊስ ድማ  
1.      ምክትል ኩማንደር ይርጋ ግደይ
2.      ኢንስፔክተር ምሩፅ
3.      ኮንስታብል ጎደፋ
4.      ራብዓዮም ንግዚኡ ሽሙ ዘይተፈልጠን ከም ዝኾኑ እቲ ሓበሬታ የረድእ።