Tuesday, August 5, 2014

ብመዓርግ ሚንስተር ኣማኻሪ ጠቕላይ ሚኒስተር በረኸት ስምኦን ብኸቢድ ሓሚሙ ኣብ ሳዉዲ ዓረብ ይሕከመሉ ኣብ ዘሎ ጥቡቕ ሓለዋን ክትትልን ይግበረሉ ከም ዘሎ ምንጭታትና ሓቢሮም።



    ብመሰረት እቲ ሓበሬታ ካብ ላዕለዎት ሰበስልጣን ስርዓት ወያነ ኢህወዴግ ሓደ ዝኾነ በረኸት ስምኦን ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ እናሳቐዮ ብዘሎ ከቢድ ሕማም ቅድም ኢሉ ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ እናተሓከም ፀኒሑ ክድሕን ስለ ዘይከኣለ ኣብ’ዚ ሕዚ እዋን ድማ ኣብ ሳዉዲ ዓረብ ሕማሙ እንታይ ምዃኑ ብህዝቢ ከይፍለጥ ልክዕ ከምቲ ናይ መለስ ዜናዊ ብሕቡእ ሕክምናዊ ሓገዝ  እናተገብረሉ ብኩሉ መዳይ ክትትል ይገብርሉ ከም ዘለዉ ተፈሊጡ ኣሎ።

    ኣስዒቡ እቲ ሓበሬታ በረኸት ስምኦን ገዛኢ ስርዓት ኢህወዴግ ናብ ስልጣን ካብ ዝመፅእ ኣትሒዙ ክሳብ ሕዚ ንልዕሊ 23 ዓመታት ኣብ ላዕለዋይ ፀፍሒ ሓላፍነት ክሰርሕ ኣብ ዝፅነሓሉ ማእላያ ዘይብሉ ሃፍቲ ህዝብን ሃገርን ዝዘመተ ብምዃኑ ካብ’ቶም ብዝለዓለ ግዕዝና ዝተጫማለቑ ንዉልቆም ጥራሕ ካብ ዝሓስቡ መሪሕነት እቲ ስርዓት ሓደ ስለ ዝኾነ እቲ ዝግበር ዘሎ ሓለዋን ምክትታልን ካብ ህዝቢ ኢትዮጵያ ንምሕባእ ዝግበር ዘሎ ሽርሒ እዩ ክብሉ ነቲ ሚስጢር ቅርበት ዘለዎም ገለ ወገናት ይዛረብሉ ከምዘለው ንምፍላጥ ተኻኢሉ።