Tuesday, August 5, 2014

ኣብ ሰሜን ሽዋ ወረዳ መርሃ-ቤቴ ከተማ ኣለም ዝነበረ ትራንስፎርመራት ብትእዛዝ መንግስቲ ክወስድዋ ኣብ ዝተፈተነሉ ህዝቢ እቲ ከባቢ ሓያል ናይ ተቓዉሞ ሰልፊ ከም ዘካየደ ተሓቢሩ፣፣



ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና ኣብ ክልል ኣምሓራ ወረዳ መርሃ-ቤቴ ከተማ ኣለም ቅድም ኢሉ ተዘርጊሑ ዝነበረ ትራንስፎርመር ሓይሊ መብራህቲ  ምኽንያቱ ብዘይ ተፈለጠ መንግስቲ እቲ ክልል ክተርፍ ትእዛዝ ስለ ዘዉረደ ሰራሕተኛታት ሓይሊ መብራህትን ፖሊስን ብሓባር ነቲ ንብረት ክልዕልዎ ኣብ ዝፈተንሉ ህዝቢ ከተማ ኣለም ሓያል ተቓዉሞ ከም ዘልዓለ ተፈሊጡ፣፣

 መንግስቲ ነቲ ዝኣልዮ ዘሎ ትራንስፎርመራት ሓይሊ መብራህቲ ስለምንታይ የልዕሎ ከም ዘሎ ንህዝቢ ከየማኸረን መረዳእታ ከይሃበን ምልዓሉ መርኣያ ውልቀ ምልከነት እቲ ስርዓት ‘ዩ ዝበለ እቲ ሓበሬታ በዚ ምኽንያት ድማ ነባሪ ህዝቢ እቲ ከባቢ ብሓደ ድምፂ ተቃዉሞ ብምክያዱ ኣብ መንጎ እቶም ነቲ ትራንስፎርመር ዝኣልዩ ዝነበሩ ልኡዃት እቲ ስርዓትን ህዝብን ሓያል ግጭት ስለ ዝተወልዐ እቲ ተጀሚሩ ዝነበረ ምልዓል ጠጠዉ እኳ እንተበለ ህዝቢ በቲ መንግስቲ ክወስዶ ዝጀመረ ስጉምቲ ቅሬትኡ የስምዕ ከም ዘሎ ክፍለጥ ተኻኢሉ፣፣