Tuesday, September 2, 2014

ኣብ ምዕራብ ጎንደር ወረዳ ጭልጋ ፍሉይ ሽሙ ኣርሴማ ኣብ ዝተብሃለ ከባቢ ካብ ዝርከብ ቤተክርትያንን ማይ ፀሎትን ዝተረኸበ ናይ ገንዘብ ኣታዊ ብኢድ ኣታውነት ካድረታት ይጠፋፋእ ከም ዘሎ ተገሊፁ።



    እዚ ኣብ ወረዳ ጭልጋ ፍሉይ ሽሙ ኣርሴማ  ኣብ ዝተብሃለ ከባቢ ካብ ዝርከብ  ናይ ቤተ ክርስትያንን ማይፀሎትን  በብእዋኑ ካብ ምእመናን ዝርከብ ናይ ገንዘብ ኣታዊ ኣብ መዓልኡ ከይወዓለ ይጠፋፋእ ምህላዉ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ብሰንኪ ኢድ ኣታውነት ካድረታት ኣብ መንጎ ኣገለገልቲ ናይቲ ቤተ ክርስትያንን ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ብሄረ ሰብ ቅማንትን ነቲ ገንዘብ ንምውሳድ ብዝተልዓለ ባእሲ ኣብ ህይወትን ንብረትን ጉድኣት ከም ዝበፅሐ ተገሊፁ።

   በሰንኪ እቲ ዝተፈጥረ ባእሲ ሓደ ኣገልጋሊ ናይቲ ቤተ ክርስትያን  ፍርየው መኳንንት ዝተብሃለ ዜጋ ብ12 ነሓሰ 2006 ዓ/ም ብበትርን ጎዞሞን ቀጥቂጦም ከምዝቐተልዎ ድሕሪ ምግላፅ ነዚ ሓደጋ ክፍጠር ዝኸኣለ ድማ ብሰንኪ  ሸለልትነት  ኣማሓደርቲ እቲ ወረዳ ምዃኑ ህዝቢ እቲ ከባቢ ኣረዲኦም።