Tuesday, September 2, 2014

ኣብ ዞባ ሴሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ከተማ ሽረ ዝርከቡ ኣመሓደርቲ ኣብ መንጎ ወነንቲ ቤት መሰተ ብምእታው ሕድ ሕዶም የናቑትዎም ከምዘለዉ ምንጭታትና ካብታ ከተማ ዝለኣኽዎ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።



   ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና ኣማሓደርቲ ከተማ ሽረ ኣብ መንጎ ኣከፋፈልቲ በደሌን ዳሽንን ቢራታት ዝኾኑ ነጋዶ ናተይ ይበልፅ ናተይ ይበልፅ ተባሃሂሎም ክባእሱ ይገብሩ ምህላዎም ድሕሪ ምግላፅ ብሰንኪ እቲ ባእሲ ድማ ብ12 ነሓሰ 2006 ዓ/ም ኣብ ልዕሊ ህይወት ሰብ ናይ ሞት ሓደጋ ከም ዘጋጠመ ተገሊፁ።

   ብሰንኪ እቲ ምስሕሓብን ባእስን ኣይተ ደገፍ መኮነን ዝተብሃለ ነባሪ ቀበሌ 03 ብኣይተ ግደይ ካሓሳይ ነባርነቱ ቀበሌ 04 ብዝኾነ ወልቀ ሰብ ከም ዝተቐትለ እቲ ዝበፅሓና ሓበሬታ ኣመልኪቱ።