Tuesday, September 2, 2014

ኣብ ዞባ ሰሜን ጎንደር ወረዳ መተማ ከባቢ ዓዉደ ራፊዕ ኣብ ዝርከባ ማሕበራት ተቖፂረን ዝሰርሓ ደቂ ኣስንትዮ ብዘይተፈለጡ ሰባት ይቕተላ ከም ዘለዋ ተገሊፁ።



ከም ሓበሬታ ምንጭታትና ኣብ ከባቢ ዓዉደ ራፊዕ ብማሕበር ተወዲቦም ኣብ ስራሕ ዝተዋፈሩ ተጋደልቲ ነበር ተቖፂራ ትሰርሕ ዝነበረት ኣዲሳ ዝተባህለት ዜጋ ሰላም ኣለኹ ብምባል ንብሕታ ኣብ ዝተረፈትሉ ብ12 ነሓሰ 2006 ዓ.ም ብዘይተፈልጡ ሰባት ተቐቲላ ከም ዝተረኸበተ ኣመልኪቱ።
ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ኣባላት ፖሊስ ድማ ሞዋቲት ኣብ ትሰርሓሉ ማሕበር ንዝርከቡ ተጋደልቲ ነበር ቀተልታ ትፈልጡ ኢኹም ወይ ባዕልኹም ቀቲልኩማ  ብዝብል ምኽንያት ኣሲረሞም ከም ዘለዉ ተፈሊጡ ኣሎ።
ካብ’ቶም ዝተኣሰሩ ተጋደልቲ ነበር ነጋሲ ግርማ፤ ብርሃነ ዝተባህለ መራሒ መኪናን ኪዳነ ዝተብሃለን ዝርከብዎም ትሽዓተ ሰባት ተኣሲሮም ከም ዘልዉ ካብቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
ብተመሳሳሊ ኣብ ከተማ ዓውደራፊዕ ዝርከቡ ፖላዊስ ንፁሃት ሰባት ይቐትሉን የሳቕዩን ብምህላዎም ኣብ ልዕሊኦም ድማ ሕነ ናይ ምፍዳይ ስጉምቲ ይውሰድ ከም ዘሎ ተገሊፁ።

   ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና ብ20 ነሓሰ 2006 ዓ/ም ይርጋ ተጫነ ዝተብሃለ ንረዳት ኢንስፔክተር ሞላሊ ክንድሸው ንዝተብሃለ ፖሊስ ምስ ሓፍቱ ከም ዝቐተሎ ድሕሪ ምግላፅ ነዚ ሕነ ናይ ምፍዳይ ስጉምቲ ክወስድ ዝተገደደሉ ድማ እቲ ፖሊስ ቅድም ክብል ሓዉ ቀቲሉሉ እናሃለወ ተኣማኒ ናይቲ ስርዓት ብምዃኑ ጥራሕ ብሕጊ ክሕተት ብዘይ ምኽኣሉ ዝወሰዶ ስጉምቲ ምዃኑ ተፈሊጡ።

    ካብታ ከተማ ከይወፃና ብ27 ሓምለ 2006 ዓ/ም ፖላዊስ እታ ከተማ ን2 ሰባት ብፍሉይ ኣሲሮም ከሳቕይዎም ድሕሪ ምፅናሕ ንካሕሳይ ተወለ ዝተብሃለ ክቐትልዎ እንከለው ንጋቱ ወጋየሁ ዝተብሃለ ድማ ብናይ በትሪ መግረፍቲ ሃለዋቱ ጠፊእዎ ናብ ሆስፒታል ከም ዝተወስደ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።