ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና ኣብ ዞባ ምዕራብ
ትግራይ ከባብታት ሑመራን ዳንሻን ዝርከብ ሕብረተሰብ ንዕለታዊ ህይወቱ ዘድልይዎ ጠልባት ከም ሽኮር፤ ዘይትን ካልኦትን ዝኣምሰሉ
ሸቐጣት ካብ ዕዳጋ ስለ ዝተስኣኑ ህዝቢ መረረቱ ኣብ ምግላፅ ከም ዘሎ ተፈሊጡ።
ምንጭታትና ወሲኾም ከም ዝገለፅዎ ገዛኢ መደብ
ኢህወዴግ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ክብል መሰረታዊ ሸቐጣት ዝበሃሉ ብኣባላቱን ካድረታቱን ዝኾኑ ነጋዶ ክከፋፍሉ ካብ ዝገብር
ንደሓር ኣብቲ ከባቢ ፍታሕ ዝሰኣነ ዘይምርግጋዕ ዕዳጋ ከም ዘሎን
ናይዚ ምኽንያት ከኣ እቶም ኣከፋፈልቲ ተባሂሎም በቲ ስርዓት ዝተቐመጡ ነጋዶ ነቲ ብሽም ህዝቢ ዝተረከብዎ ሸቐጥ ናብ
ተጠቃሚ ህዝቢ ከይበፀሐ ወዲእና ብምባል ከኽስብዎም ንዝኽእሉ ሰባት ብለይቲ እናሓብኡ ይሸጥዎ ምህላዎም ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብቲ ከባቢ ብዘሎ
ሕፅረት ምቁርራፅ ኤለክትሪክን ኔት-ዎርክን ነበርቲ እተን ከተማታት ዝኾነ ህዝቢ ዕለታዊ መነባብርኦም ከየሳልጡ ዓብዪ ዕንቅፋት
ኮይንዎም ከም ዘሎ እቲ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።