Tuesday, October 28, 2014

ፖሊስ ከተማ ሸራሮ ዝፈፀምዎ ገበን ንዘይብሎም ልዕሊ 28 ወገናት ኣሲሩ የሳቕዮም ምህላዎም ተፈሊጡ፣





ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ከተማ ሸራሮ ዝርከቡ ኣዘዝቲ ፖሊስ ገዛኢ ጉጅለ ህወሓት-ኢህወዴግ ካብ ሕጊ  ወፃኢ ሰባት እናኣሰሩ የሳቕዩ ምህላዎም ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ከም መቐፀልታ ፀረ ህዝቢ ተግባሮም ኣብዚ ሕዚ እዋን ልዕሊ 28 ወገናት ብፍሉይ ንነዊሕ እዋን ኣሲሮም የሳቕዮም ከም ዘለዉ   ምንጭታትና ዝላኣኽዎ ሓበሬታ ኣረዲኡ፣
 ካብ’ቶም ኣብ ፖሊስ ጣብያ ሸራሮ ብሕቡእ ተኣሲሮም ዝሳቐዩ ዘለዉ ዜጋታት ዝተወሰኑ ኣሽማት ንምጥቃስ፦ በሃበሎም፤ ዓዲ-ፀፀር ብዝብል ሳጓ ዝፍለጥን  ከምኡ ‘ውን ብኣምላኬ ዝተብሃለ ተወላዲ ብሄር ኣምሓራን ካልኦትን ከም ዝርከብዎም ንምፋላጥ ተኻኢሉ፣


ብተመሳሳሊ ኣብ ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ጣብያታት ዓዲ ኣሰርን ዓዲ ፀፀርን ዝነብሩ ልዕሊ 20 ዜጋታትና  ዘይተዋህበኩም መሬት ሓሪስኩም ተባሂሎም ዝተኸሰሱ እንትኾኑ። ነቲ ክሶም ዝሓዘ ቤት ፍርዲ ዘመላልስ ጉዳይ ኣብ ዘይብሉ ሰሙን ሰሙን ብሽም ቆፀራ እናመላለሰ ፍርዲ ክህቦም ዘይምኽኣሉ ዝተዓዘቡ ነበርቲ። ጉቦ ንኽህብዎ ዝገብሮ ዘሎ ሜላ እዩ ክብሉ ይገልፅዎ ምህላዎም ተሓቢሩ፣