Tuesday, October 28, 2014

ብዝተፋላለዩ ምኽንያት ጥሮታ ወፂኦም ብማሕበር ተወዲቦም ኣብ ከተማ ተምቤን ክሰርሑ ዝፀንሑ ነባራት ተጋደልቲ ተቓወምቲ ኢኹም ብዝብል ካብ ስርሖም ከም ዝተባረሩ ተፈሊጡ፣





ብመሰረት ካብቲ ከባቢ ዝበፀሓና ሓበሬታ እቶም ቅድም ክብሉ ኣብ ምግዳል ፀኒሖም ብጥሮታ ተፋንዮም ኣብ ከተማ ተምቤን ብማሕበር ተወዲቦም ናብርኦም ክኣልዩ ዝፀንሑ ዜጋታት፤ ካብ’ተን ባዕሎም ተወዲቦም ክሰርሑለን ዝፀንሑ ማሕበራት ደገፍቲ ተቃወምቲ ኢኹም ብዝብል ምኽንያት፤ 5 ነባራት ተጋደልቲ ብሽርሒ ሰበ ስልጣን ህወሓት ክባረሩ ከም ዝተገብረ ተገሊፁ፣

    እቶም ወገናት ንሕና ንፁሃት ክነስና ስለ ምንታይ ካብ ስራሕና ንባረር? ብምባል ዮናስ ናብ ዝተብሃለ ኣመሓዳሪ ናይታ ወረዳ ኣብ ዝሓተትሉ ግቡእ ምላሽ ስለ ዘይሃቦም፤ ከም መማረፂ ኣብ ኮብልስቶን ስራሕቲ ክዋፈሩ ዘቕረብዎ ጥርዓን እንተኾነ ’ዉን ፀማም እዝኒ ከም ዝሃቦም ክፍለጥ ተኻኢሉ፣