Tuesday, October 28, 2014

ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ወረዳ ኣስገደ ፅምብላ ዝርከቡ ሽሞኛታት ህወሓት-ኢህወዴግ ንመሰረተ ልምዓት ተባሂሉ ዝተሰልዐ ገንዘብ ኣብ ውልቃዊ መነባብሮኦም የውዕልዎ ምህላዎም ምንጭታትና ካብቲ ከበቢ ሓቢሮም፣





እቶም ኣብ ወረዳ ኣስገደ ፅምብላ ዝርከቡ ብግዕዝይና ዝጠልቀዩ ካድረታት ንመስርሒ ፅርጊያ ተባሂሉ ካብ ሃፍቲ ህዝብን ሃገርን ዝተሰልዐ  ገንዘብ ከም ዘጠፋፍእዎ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ፤ ካብ’ቶም ኣብዚ ምጥፍፋእ ገንዘብ ዝለዓለ ኢድ ዘለዎም ሰበ ስልጣን ናይ’ቲ ወረዳ ዋና ኣማሓደሪ ኣይተ ሃሴት ከምኡ’ዉን ኣማሓዳሪ ጣብያ ሚዛን ሙላለም ኣስገዶምን ካልኦትን  ዝርከብዎም ከም ዝኾኑ ምንጭታትና ካብቲ ከበቢ ወሲኾም ገሊፆም፣

    እቲ ሓበሬታ ኣብ መወዳእታ እዞም ገንዘብ  ህዝብን ሃገርን ኣብ ዉልቃዊ ረብሕኦም ዘዉዓሉ ኣማሓደርቲ እታ ወረዳ፤ ንግዝይኡ ተኣሲሮም’ኳ እንተለዉ፤ ንከምስሉ ዝገበርዎ እምበር ድሕሪ ዝተወሰነ መዓልቲ ብዘይ ዝኾነ ምፅራይን ሕጋዊ ዉሳነን ክፈትሕዎም እዮም ብምባል፤ ነባሪ ህዝቢ  ኣብ ልዕሊ  እቲ ስርዓት እምነት ከም ዘይብሉ ኣብ ምግላፅ ከም ዝርከብ ኣረዲኡ፣