Thursday, October 23, 2014

ነበርቲ ከተማ ሰለኽለኻ ኣብ ሃገርና ዝተመዝገበ ልምዓታዊ ዕብየት ከም ዘየለ ብ4 ጥቅምቲ 2007 ዓ/ም ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ምግላፆም ምንጭታትና ካብ’ታ ከተማ ሓቢሮም፣




     ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ዝርከቡ ነበርቲ ከተማ ሰለኽለኻ ኣብዚ ቅንያት ብኣማሓደርቲ እታ ከተማ ኣኼባ ከም ዝተገበረሎም ዝገለፀ እቲ  ሓበሬታ ኣብ’ቲ ኣኼባ ሃገርና  ፅቡቕ ልምዓታዊ ምዕባለ ተርኢ ከም ዘላ በቶም ካድረታት ንዝቐረበ ሓሳብ ብወገን ነበርቲ ድማ ገዛ ድኻታት ኣፍርስኩምን መንጢልኩምን ጉቦ ንዝሃብኹም ሰለ ዝዓድልኩሞ ልምዓታዊ ዕብዬት  ተራእዩ ምባልኩም ትኽክል ኣይኮነን  ብምባል  ነቲ ሓሳብ ከም ዝተቓወምዎ ተፈሊጡ፣

     ካብቶም ብኣማሓደርቲ ዝቐረበ ሓሳብ ዝተቓወሙ ወገናት፦ ሃለቃ ተስፋይ ኣብረሃለይን ኣይተ ተኽለን ካልኦትን  እንትኾኑ፤ ንሳቶም ኣብ ዘረብኦም  ልዕሊ 35 ዝኾኑ  ድኻታት ነበርቲ እዛ ከተማ  ብዘይ ሓደ ካሕሳን ተለዋጢ መሬትን መንበሪ ገዝኦም ፈሪሱ መፅለሊ ሲኢኖም ኣብ ከቢድ ፀገም እናሃለዉ፤ ልምዓታዊ ዕብዬት ተራእዩ  ምባል  ናይ ሕልሚ እንጀራ ምብላዕ ’ዩ ክብሉ ብምረት ከም ዝተዛረቡ እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ፣