Thursday, October 23, 2014

ኣብ ዞባ ሰሜን ጎንደር ዝርከቡ ኣባላት ፈዴራል ፖሊስን ድህንነትን ሰላማዊ ፖለቲካዊ ቃልሲ ንዘካይዱ ውድባት ዝተፈላለየ ዕንቅፋታት እናፈጠሩ ከስርሕዎም ከም ዘይከኣሉ ምንጭታትና ካብ’ቲ ቦታ ሓቢሮም፣





   ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና ገዛኢ ጉጅለ ኢህወዴግ ኣብ ወረዳታት ዓዲ ኣርቃይ፤ ድንት፤ ደባርቅን ጭልጋን ሰለማዊ ፖለቲካዊ ቃልሲ ንዘካይዱ ተቓወምቲ ውድባት ቤት ፅሕፈት ንከይኸፍቱን ናይ መአከቢ ኣደራሽ ንከይካረዩን ልኡዃት ካድረታት ከም ዝኸልከልዎም ድሕሪ ምግላፅ፤ ካብ ሓደ መስከረም 2007 ዓ/ም ጀሚሮም ከኣ ብርክት ዝበሉ ኣባላት ፈዴራል ፖሊስን ድህንነትን ናብ’ቲ ቦታ ተዋፊሮም  ሕድ ሕድ ምንቅስቓስ ናይ’ቶም ኣባላት ተቓወምቲ እናተኸታተሉ ዕንቅፋታት ይፈጥሩሎም ከም ዘለው ኣረዲኦም፣  
 
    እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ቀንዲ ኣባላት ተቓወምቲ ውድባት ንከይንቀሳቐሱ   ዝገብር ዘሎ ሰለሙን ዝተብሃለ ኣባል ፈዴራል ፖሊስ ምስ ሰዓብቱ እንትኾን፤ ኣብ መስኮት ተሌቭዥን ምስ ተቓወምቲ ውድባት ናይ 2007 ዓ/ም ምርጫ ኣመልኪቱ ኣብ ፅቡቕ ምርድዳእ ከም ዘሎ’ኳ እቲ ስርዓት ይህውትት እንተሎ፤ ኣብ ባይታ ግና ብኣባላት ፌዴራል ፖሊስን ድህንነትን ንኣባላት ተቓወምቲ ውድባት ብምፍርራሕ ዕለታዊ ስርሖም ብሰላም ንከይሰርሑ የዐንቅፍዎም ከም ዘለው ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣