Thursday, October 23, 2014

ካብ መቻች ናብ ኣዋጢር ዝተባሃለ ኣብ ዘሳግር ሩባ ኣንገረብ ዝርከቡ ፌደራል ፖሊስ ጉጅለ ኢህወዴግ ሲቪላት ብምኽታር ገንዘብ ንምዝራፍ ክብሉ ህይወት ንፁሃት ዜጋታት የጥፍኡ ከም ዘለዉ ተሓቢሩ፣





     እቶም ፌደራል ፖሊስ ገዛኢ ጉጅለ ኢህወዴግ  ኣብ ከባቢ ሩባ ኣንገረብ ካብ ሲቪላት ወገናት ገንዘብ ንምዝራፍ ክብሉ ንፁሃት ዜጋታት ብጥይት ይቐትሉ ምህላዎም ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ፤ ካብ’ቶም ኣብ ምዝራፍ ገንዘብ ተዋፊሮም ዘለዉ ፌደራል ፖሊስ ሓደ እቶም ተኸተርቲ ስቪላት ነብሶም ክከላኸሉ ክብሉ ብኻራ ወጊኦም ምስ ቀተልዎ፤ ካልእ ኣድብዮ ዝፀንሐ ፌደራል ፖሊስ ንሃለቃ ገብረኪዳን ተስፋይን  ንኣይተ መኮነን  ኣብረሃለይን ዝተበሃሉ ዝርከብዎም ሲቪላት ብጥይት ተኲሱ ከም ዝቐተሎም ኣረዲኡ፣
 
  ብተወሳኺ እቲ ካብ ንፁሃት  ዜጋታት  ብዕጡቓት ፖሊስ ዝካየድ እናኸተርካ  ገንዘብ ናይ ምዝራፍ ተግባር ኣብዚ ከባቢ ጥራሕ ዘይኮነስ፤ ኣብ ሙሉእ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኣስነዋሪ ተግባር እዩ ክብሉ ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ህብረተሰብ ብተደጋጋሚ ይገልፅ ምህላው እቲ ሓበሬታ ኣፍሊጡ፣