Monday, October 20, 2014

ኣብ ከተማ ሽረ ዝርከብ ሆስፒታል ንህዝቢ ግቡእ ኣገልግሎት ብዘይምሃቡ ህይወት ሰብ ይጠፍእ ምህላዉ ንግዳያት ስድራ መሰረት ብምግባር ምንጭታትና ኣቃሊዖም፣





ነባሪ ህዝቢ ከተማ ሽረ እንዳስላሴ ብሕክምናዊ ኣገልግሎት ተፀጊሙ ምህላዉ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ፤ ብፍላይ ከዓ ኣብታ ከተማ ዝርከብ ሆስፒታል ስርዓት ዘለዎ ምሕደራ ስለ ዘይብሉ ክሕከሙ ዝኸዱ ሕሙማት ቆላሕ ዝብሉም ስኢኖም ንሕልፈተ ህይወት ዝቃልዑ ወገናት ብርክት ዝበሉ ኮይኖም፤ ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ኣይተ ምሩፅ ኣበራ ዝተብሃለ ዜጋ ወዱ ብፅኑዕ ሓሚምዎ ክሕክሞ ናብ’ቲ ሆስፒታል ኣብ ዝኸደሉ እዋን፤ በዚ ሪጋ ሓዝ ኣብዚ ፅናሕ እናበሉ ብምክልባት ሰኣን ቁሊሕ ዝብሎ ወዱ ንሞት ከም ዝተዳረገ ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣

 ኣስዒቡ እቲ ሓበሬታ ኣብ’ቲ ሆስፒታል ዝርከቡ ገለ ዘይቁኑዓት ሓካይም  ሂወት ዜጋታቶም ኣብ ምውሓስ ኣዝዮም ዝደኸሙ ካብ ምዃኖም ዝነቐለ ንተገልጋሊ ህዝቢ ምኽንያታት እናፈጠሩ ከንገላትዕዎ ከም ዝዉዕሉን ኣብ ኮምፒተሮም መፃወቲ (games) ከፊቶም ከምዝፃወቱ ድሕሪ ምግላፅ፤ ህፃናትን ኣዴታትን ዝርከብዎም ማእለያ ዘይብሎም ሕሙማት ብገንዘቦም ሕክምናዊ ረዲኤት ዝገብረሎም ስኢኖም  ኣብ ቀፅሪ እቲ ሆስፒታል ህይወቶም ዝጠፍእ እንትኾን፤ ካብ’ቶም  ሓላፍነትን ሞያዊ ስነ-ምግባር ዘይስምዖም ሓደ ዶ/ር ዮናስ ዝብሃል ከም ዝርከቦም ተፈሊጡ፣