Monday, October 20, 2014

ኣብ ከተማ ሑመራ ዝርከቡ ሓለፍቲ ቤት ማዘጋጃ መሬት ንድኻ ሕብረተሰብ እናኸልኡ ፀኒሖም ካብ ወፃኢ ንዝመፁ ሃፋትምን ፈተውቶምን ይሸጡሎም ከም ዘለዉ ተሓቢሩ፣




ካብ’ታ ከተማ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ከም ዘመልክቶ፤ ብዙሓት ነበርቲ ከተማ ሑመራ ብመሬት ተፀጊሞም ኣብ ዘለዉሉ እዋን፤ ሓለፍቲ ቤት ማዘጋጃ  መሬት ኣይሽየጥ ኣይልወጥ ናይ መንግስቲ እዩ እናበሉ ካብ ድኻ ሕብረተሰብ እናመንጠልዎ ዝፀንሑ ናይ ከተማ መሬት  ኣብዚ ቀረባ እዋን ድማ ካብ ወፃኢ ንዝመፁ ሃፋትም ይሸጥሎም ከም ዘለዉ ተፈሊጡ፣

ብመሰረት እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ብካድረታት ህወሓት-ኢህወደግ ካብ ዝተሸጠ ኣብ ከባቢ መንሃርያ ዝርከብ ሰፊሕ መሬት ብኣብነት ዝቕመጥ ኮይኑ፤ ካብ ድኻታት ተመንጢሉ ድሕሪ ምፅናሕ ኣብዚ ቀረባ ድማ ኣብ እስራኤል ንዝርከብ ሃፍታም ተሸይጡ ብታረቀ ምስግና ዝተብሃለ ተወካሊ ከም ዝተሰርሐ ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣

በዚ ተግባር እዚ ዝተቖጥዑ ነበርቲ ከተማ ሑመራ ድማ ብስእነት መሬት ዝተፀገመ ድኻ ሕብረተሰብ እናሃለወ ንሃፋትምን ጉቦ ንዝሃብኹምን ስለ ምንታይ ትዕድልዎ ስለ ምንታይ ብቕንዕና ዘይተመሓድርዎ ክብሉ መረረቶም ኣብ ምግላፅ ከም ዝርከቡ ተፈሊጡ፣