Monday, October 20, 2014

ናይ መከራ ቆፀራ!!




ቀዳማይ ክፋል
ዝኸበርኩም ተኸታተልትና ንሎሚ ናይ መከራ ቆፀሮ ብዝብል ርእሲ ናይ ዝተፃሕፈ ቀዳማይ ክፋል ክነቕርበልኩም ኢና። ሰናይ ንባብ።

 ቆፀሮ ብኽልተ መልክዕ ክርአይ ይከአል’ዩ፣ ብሓደ ወገን ሓጎስ ዝሓዘለ መዕለቢ ወይ ድማ መፍትሒ ረኺቡ እንሕጎሰሉ፤ ብስራት እንሰምዓሉ  ወ.ዘ.ተ እንትኸውን። እቲ ካልአይ ድማ ካብዚ ዝተፈለየን ብአንፃሩን’ዩ፣
     ንአብነት።- ናይ ዳያኑ ናይ ፍርዲ ቆፀሮ ብሐደ ወገን ካብ ዝተኸሰስናሉ ፍትሓዊ ዝኾነ ፍርድ እንረኸበሉ ዝፍጠር ሓጎስ እንትኸውን፤በቲ ካልእ መዳይ ድማ ዘይፍትሓዊ ፍርዲ ተወሲኑ ናብ ቤት ማእሰርቲ ድሕሪ ምኻድና ዘሎን ዘየሎን ሃብትና ጓሕጒሑ ናብ ድከት ዘአቱ ውሳነ እንተተወሲኑ ድማ እቲ ቆፀሮ ናይ መከራ ይኸውን ማለት’ዩ፣
     ይኹን’ምበር ኣብ ሃገርና ኢትዮጵያ ፍትሒ መስመሩ ሒዙ ስለ ዘይፈልጥ። ንውሑዳት ኣጫፈርቲ እንተዘይኮይኑ ኩሎም ቆፀሮታት። ናይ መከራ፤ ናይ ስቓይን ምንግልታዕን እምበር። ብስራትን አብ ሓቂ ዝተደረኹ ፍትሒ ተላቢሶም፤ ፍትሓዊ ኣሰራርሓ ዘንፀባርቑ እንትኾኑ ምርአይ። ናይ ዕድል ነገር ግዲ ኮይኑስ ክሳብ ሕዚ ክንሪኦ ኣይከአልናን፣
    ኣብ ዝሓለፉ ገዛእቲ ነገስታት። ጀጋኑ ናብ ስልጣን ንኽመፁ ተቖፂሮም ብሰይፊ ዝቑረፅሉን። ብገመድ ተሓኒቖም ዝንጥልጠልሉ ታሪኽ ኣሕሊፍና ኢና፣ ናቶም ኣሰር ተኸቲሎም ዝመፁ፤ ስልጣኖም በኣፈሙዝ ብረት ዝተቖፃፀሩ ውልቀ መለኽቲ መራሕቲ። ካብ ዝኸፍአ ናብ ዝባኣሰ ተግባር ብምጥሓል ንምስማዑ ዘስንብድ ፤ንምርአይ ዘስካሕኽሕ ፤ ሰብ ኮይንካ ብምፍጣርካ ዘፅልኡ ፀረ ህዝቢ ተግባራት ፈፂሞም እንትሓልፉ። ሕዚ ዘለው’ውን እንተኾነ  ኣብ ምፍፃም ይርከቡ፣
    ንዝሓለፈ ክረምቲ ጋሳ አይስርሖን ከም ዝበሃል። ነቲ ዝሓለፈ ንታሪኽ ገዲፍና። ነዚ ናይ ሕዚ ናይ “መከራ ቆፀሮ” ንምርአይ ዝኣክል ገለ ክንብል፣ ምክንያቱ ንኹሉ ከም ስርሑ ዘውቅሶን ዘሞጉሶን ታሪኽ ስለ ዝኾነ’ዩ፣ 
    እብ ሃገርና ብምድንጋር ዝተዓጀበ “ናይ መከራ ቆፀሮ” ዝተጀመረሉ ብናይ ሃገርና ኣቆፃፅራ ብ1987 ዓ/ም እዩ፣  ስልጣን ካብ ዝተታሓዘሉ ግዜ ጀሚሩ እቲ ኩሉ ንህዝቢ ኢና ተቓሊስና፤ ነፃ መውፃእቲ ኢና ብምባል ክመፃደቕሉ ዝፀንሑ ዝፈሰሰ ናይ ሰማእታት ደምን ዝተኸስከሰ ኣዕፅምትን ክፈርደና’ዩ እንከይበሉ። “ላም አለችኝ በሰማይ ወተትዋን ግን አላይ” ከም ዝበሃል። ሙሉእ ብሙሉእ መፅበዐዖም ጠሊሞም፣ ብርግፅ ኣብቲ እዋን ካብ ፀጋምን የማንን ተኣኻኺቡ ተወዲቡ ዝንቀሳቐስ ዝነበረ ሓይሊ ብቑዕ ስለ ዘይነበረ። ስርዓት ወያነ-ኢህወዴግ ክንዲ ዝኣክል እንከይተቓልዐ ተመሳሲሉ ባሕታዊ ገዳም ኮይኑ ፀኒሑ’ዩ፣ ይኹን’ምበር ውሽጡ ንዝፈልጥዎ ግን ናይ ኣደባባይ ምስጢር ስለ ዝነበረ ታሪኽ ይቕረ ዘይብሎ ኣዝዩ ብዙሕ ዘሰቅቕ ተግባራት ስለ ዝፈፀመ ተሰዊሩ ኣይተረፈን፣
    እናሓደረ እናዋዓለ ግን። “ሓቅን ፍልፍል ማይን እናሃደረ ይፀሪ” ከም ዝበሃል። ኣብ ዝቐፀሉ ክልተ ቆፀሮታት ማለት አብ መንጎ 1987 1997ዓ/ም ህዝቢ ኢትዮጵያ ብዙሓት ተንኮላት ክርኢ በቒዑ፣ ካብ’ቶም ቀንድን ዝዓበዩን ዝበሃሉ። መብዛሕትኦም ብፖለቲካዊ ኣረአእይኦም ካብ ዝተወለድሉን መዳሕንቶም ካብ ዝተቐበረሉን ሃገሮም ተሰዲዶም፤ ተኣሲሮምን ሂወቶም ሲኢኖምን’ዮም፣
     ዕንቁታት ሃገርና ዝኾኑ ምሁራት ወገናትና። ኣብ ላዕሊ ብዝተጠቐሱ ምኽንያታት ብአርባዕቲኦም ናይ ሃገርና ኩርናዓት እናተሃድኑ ኣድራሽኦም ብዘይተፈልጠ መንገዲ ሽታ ማይ  ኮይኖም ተሪፎም’ዮም፣
    “ተቃላሳይ ይሞውት ቃልሲ ግን አይሞትን” ብምባል  መስዋእትነት ሚልዮናት ብምልዕዓል ብናይ ቃልሲ ነበልባል ኣቀፃፂሎም ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ውድባት ተወዲቦም እዮም፣ ካብዚኦም ሓደ  ቅንጅት ንሓድነትን ንዴሞክራስን ፓርቲ ክፈጥር ክኢሉ’ዩ፣ ተንኮል ወያነ ማሌሊት ብዝግባእ ዘይፈልጡ ሃገራውያን። ኣማራፂ ናብ ዘይነበሮ ዕጥቃዊ ቃልሲ ከም ዝቕየር ዘይተረደኡን ብምድንጋር’ቲ ስርዓት ዝተዛብዑን ድማ። ሰላማውን ፖለቲካውን ቃልሲ አጠናኺሮም ቀፂሎምሉ፣