Sunday, October 19, 2014

ኣብዚ ቅንያት ንፀረ ህዝብን ሃገርን ዝኾነ ከፋፋሊ ጉጅለ ኢህወዴግ ዝተቓወሙ መናእሰይ ናብ ዴሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ (ዴምህት) ተፀንቢሮም፣





ካብ’ቶም ናብ ክፍሊ ታዕሊም ዴምህት ዝተፀንበሩ ንገሊኦም ንምጥቃስ፦
1. ዒንድዊ ይሕደጎ ካብ ዞባ ማእከል ወረዳ ኣሕፈሮም ጣብያ ማይ ሓማቶ
2. ሽሻይ ተስፋጋብርን ሸዊት ገብረሂወትን ክልቲኦም ካብ ዞባ ምብራቕ ወረዳ ጉለ መኾዳ ጣብያ ማርታ
4. ሚለን ስልጣንን ኣባዲ ሓድጉን ካብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ወረዳ ላዕላይ ኣድያቦ ጣብያ ዓዲ ክልተ
5. እንድርያስ ገብረመስቀልን መዓዛ ኣብረሃን ክልቲኦም ካብ ዞባ ምብራቕ ወረዳ ጉለ መኾዳ ጣብያ ዛላምበሳ
6 ጉዕሽ ተስፋማርያም ካብ ዞባ ማእከል ወረዳ መረብ ለኸ ጣብያ በሪሃ
7. ዕቡይ ተኽሎም ካብ ዞባ ማእከል ወረዳ መረብ ለኸ ጣብያ ማይ ወዲ ዓንበራይ
8. ሓየሎም ነጋሲን መሓሪ በራኺን ክልቲኦም ካብ ዞባ ማእከል ወረዳ ኣሕፈሮም ጣብያ ሆያ
9. ዕቑባይ ኣለም ካብ ዞባ ምብራቕ ወረዳ ጉለ መኾዳ ጣብያ ቅልዓት ዝርከቡዎም እንትኾኑ፦

እዞም መናእሰይ ናብ ዴምህት ከፀብሮም ዝኸኣለ ቀንዲ ምኽንያት እንትገልፁ። “ብሰንኪ ግዕዙይ ምሕደራ ኢህወዴግ ኣብ ሃገርና ቀሲንና ክንነብርን ክንሰርሕን ስለ ዘይከኣልና። ነቲ ስርዓት ንምቕያር ኣብ’ቲ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ቅልጡፍ ዕብየት ዘመዝግብ ዘሎ ህዝባዊ ዉድብ ተፀንቢርና እጃምና ንምብርካት ብረታዊ ቃልሲ ንምክያድ በረኻ ወፂእና” ክብሉ ገሊፆም፣

    ብፍላይ ድማ መንእሰይ ዕቑባይ ኣለም፤ “ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ሃገርና መንእሰይ ብሰንኪ ስራሕ ስእነት ኣብ ከቢድ ፀገም ወዲቑ ከም ዘሎ” ድሕሪ ምግላፅ። ከም ዉፅኢቱ ከዓ “ብዙሕ መንእሰይ ሃገሩ ገዲፉ ዉሕስነት ብዘይብሉ መንገዲ ናብ ኣዕራብ ሃገራት ክስደድ ገሊኡ ኣብ ባሕሪ እንትጠልቕ። ገሊኡ ድማ ኣብ ሳሃራታት ብማይ ፅምእን ጥምየትን እናሃለቐ  ይርከብ ኣሎ” ድሕሪ ምባል። ንሱ ንባዕሉ ካብ’ቶም ትምህርቲ ወዲኦም ስራሕ ስኢኖም ፆር ስድራ ካብ ዝኾኑ ሓደ ከም ዝነበረን። ስራሕ ክትቁፀር እንትኾንካ ‘ዉን ብዘመድን ጉቦን ስለ ዝኾነ እቲ ዝበዝሕ ወዲ ፅጉም ስራሕ ክረክብ ከም ዘይኽእል ኣፍሊጡ፣


    መንእሰይ እንድርያስ ገብረመስቀል ብወገኑ። ሰራሕተኛ መንግስቲ ከም ዝነበረን እንተኾነ ግን ሓለፍቲ ናይቲ ትካል ዝተፈላለዩ ምኽንያታት እናፈጠሩ ብነፃነት ከስርሕዎ ስለ ዘይከኣሉ መሰሉ ንምርግጋፅ ክቃለስ ከም ዝመረፀ የረድእ፣