Monday, October 20, 2014

ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ወረዳ ቃፍታ ሑመራ ከተማ ማይ ካድራ ኣብ ሽቕሊ ተዋፊሮም ዝርከቡ ዜጋታት ብፖላዊስ ገንዘቦም ይሕደጉ ምህላዎም ካብቲ ከባቢ ምንጭታትና ሓቢሮም፣









ብመሰረት እቲ ሓበሬታ ብ30 መስከረም 2007 ዓ/ም ኣብ መዓልታዊ ስራሕ ውዒሎም  ናብ ከተማ ይኣትዉ ንዝነበሩ ብርክት ዝበሉ ሸቃሎ። ፖላዊስ ናይ’ታ ከተማ ኣብ መገዲ ክፃናተዉ ፀኒሖም ብረቶም ኣቀባቢሎም ገንዘቦም ክምንዝዕዎም ኣብ ዝፈተንሉ እዋን። መብዛሕቲኦም ሃዲሞም እንተምልጡ ንዝተረፉ ድማ ገበነኛታት ዝብል ምኽንያት ፈጢሮም ከም ዝሓዝዎም ንምፍላጥ ተካኢሉ፣

ካብ’ቶም ብዘይወዓልዎ ናይ ሓሶት ወንጀል ዝተኣስሩ ንገሊኦም ንምጥቃስ፦ ሓጎስ ተኽለማርያም፤ ጓንሽ ማንሰባ፤ ይደግ ታየን ካልኦትን እንትኾኑ። ነባሪ ህዝቢ እታ ከተማ ድማ “ስለምንታይ ጥፍኣት ዘየብሎም  ሸቂሎም ዝነብሩ ንፁሃት ሰባት ይእሰሩ” ኢሉ ኣብ ዝሓተሉ እዋን። ካብ ሕጊ ወፃኢ ብረት ሒዞም ረኺብናዮም ኢሎም ብምፅላም ንፁሃት ዜጋታት ካብ ዝኣሰሩ ፀረ-ህዝቢ ኣባላት ፖሊስ  ድማ ዋና ሳጂን ዓወት ሓዱሽ ከም ዝርከቦም ተፈሊጡ ኣሎ፣