Sunday, October 19, 2014

ኣብ ዞባ ማእኸል ነበርቲ ከተማ ኣኽሱም ካብ ወፃኢ ንዝመፁ ዲያስፖራ ኢንቨስተራት መቐበሊ ዝውዕል ገንዘብ ከወፅኡ ብካድረታት ይግደዱ ምህላዎም ምንጭታትና ካብታ ከተማ ሓቢሮም፣



     ነበርቲ ከተማ ኣኽሱም ካብ ወፃኢ ንዝመፁ ዲያስፖራ ኢንቨሰተራት መቐበሊ ዝዉዕል ገንዘብ ኣዋፂኦም ንኸዘናግዕዎም ኣማሓደርቲ እታ ከተማ ብ24 መሰከረም 2007 ዓ/ም ህዝቢ ኣኪቦም መምርሒ  ከም ዘወረድሎም ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ፤ እንተኾነ እቶም ነበርቲ  ሎሚ ይኹን ፅባሕ ኣይነዋፅእን ክንደይ ግዜ ከተዕሽዉና ብምባል ነቲ ብኣማሓደርቲ እታ ከተማ ዝቐረበ ሓሳብ ከም ዝተቓወምዎ ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣